Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ሕጂ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚውን ንባርያካ ኣተስፎኻዮ። ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለአለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለአለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ።
Translation | Contextኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፣ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።
Translation | Contextእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።
Translation | Contextነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል።
Translation | Contextቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ። ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ። እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።
Translation | Contextዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።
Translation | Contextንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻ፡ ካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ። እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን።
Translation | Contextንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ፡ ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብክብሪ ኽመልኣ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ብሩር ናተኡ እዩ፣ ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኪበልጽ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሐርየያን ቀዲሰያን አሎኹ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፣ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ።
Translation | Context