Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ፧ ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ፧ ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ። ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ። ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል። እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን። መለኸት ምስ ዚሰምዕ፡ ይሕምሕም፡ ንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ ይሽትቶ።
Translation | Contextፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ አሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ።
Translation | Contextኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፣ ካብ ቲዅላ ምሸት ይፈጥኑ፣ ፈረሰናታቶም ይዝርግሑ፣ ፈረሰናታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፣ ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ።
Translation | Contextከም ብሓድሽ ከኣ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣርባዕተ ሰረገላ ኻብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኪወጻ ኸለዋ ርኤኹ፡ እቲ ኣኽራንውን ኣኽራን ኣስራዚ ነበረ። ኣብታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ሓመራት ኣፍራስ፣ ኣብታ ኻልኣይቲ ሰረገላ ኸኣ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ። ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምባላያት ኣፍራስ፣ ኣብታ ራቦአይቲ ሰረገላ ድማ ጫጎታት ብርቱዓት ኣፍራስ ነበሩ። ኣነ ኸኣ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፡ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም፧ ኢለ መለስኩሉ። እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፣ እዚኣቶም እቶም ኣብ ቅድሚ ዅላ ምድሪ ቘይሞም ዚወጹ ርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም፣ እታ መጋላት ኣፍራስ ዘለውዋ ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢላ ትወጽእ፣ እቶም ኣምባሌታት ኣፍራስ ከኣ ደድሕሪኦም ይወጹ፣ እቶም ጭጕታት ኣፍራስ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢልሎም ይወጹ። እቶም ሓመራት ከኣ ወጹ፣ ንምድሪ ኺመላለስዋ ድማ ደለዩ። ንሱውን፣ ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋ፣ በለ። ንስቶም ከኣ ንምድሪ ተመላለስዋ።
Translation | Contextንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ፧ ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ፧ ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ። ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ። ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል። እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን።
Translation | Contextሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ። ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።
Translation | Contextንቕቡእ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቲ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ። ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።
Translation | Contextኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ። ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል። እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን።
Translation | Contextሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ።
Translation | Contextሽዑ ኻብ ጋልበት፡ ጋልበት እቶም ሓያላቱ፡ ሸዃኑ ፈረስ ደርጓዕጓዕ በለ።
Translation | Contextገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።
Translation | Contextእቲ ኸም ፈረስ ኣብ በረኻ ኸይተዐንቀፈ ኣብ መዓሙቚ ዝመርሖም ኣበይ አሎ፧
Translation | Contextፍላጻታቶም በሊሕ፡ ኲሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፡ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት እዩ፡ መንኰርኰር ሰረገላታቶም ከኣ ከም ህቦብላ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ፈረሰኛታት፡ ነቶም ኣፍራስ ጽዐንዎም እሞ ስረርዎም። ቊራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ኣእትዉ፡ ኲናውቲ ወላውሉ፡ ድርዒውን ልበሱ።
Translation | Contextሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብሆቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ።
Translation | Contextትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፣ ከም ፈረሰኛታት ይጐዩ።
Translation | Contextምስ ጸላእትካ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤካ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም፡ ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጅዉ።
Translation | Context