Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all23 bible verses about
ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ክሳዕ ዚፈልጥሲ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ።
Translation | Contextወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።
Translation | Contextክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ።
Translation | Contextመዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዜሸግር እዩ።
Translation | Contextስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ቦታ ኸነኣናውያንን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከድይቦም እየ።
Translation | Contextልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።
Translation | Contextንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዮን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዓራውትን ጭሔሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጓን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዚብላዕ ኣምጽኡሎም።
Translation | Contextሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለአለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ። ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፣ ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።
Translation | Contextስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።
Translation | Contextመርዓተየ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ አሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ።
Translation | Contextመዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስ፡ ዚአኽለካ ብላዕ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ዝረኸብካዮ ብላዕ። ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብልዓያ፣ ኬድካ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም፣ በለኒ። ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፣ ንሱውን ነታ ጥቕላል ኣብለዓኒ። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ከብድኻ ኣጽግብ፣ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮ፣ በለኒ። ሽዑ በላዕክዋ፣ ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዐመት።
Translation | Contextኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ዱር መጸ፡ መዓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነበረ።
Translation | Contextይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፣ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመጸ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ።
Translation | Contextቤት እስራኤል ድማ ስሙ ማና በልዎ። ፍረ ጻቕዳ ይመስል ነበረ፡ ጻዕዳ ኸኣ ነበረ፡ ምጥዓሙውን ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ነበረ።
Translation | Contextካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ።
Translation | Contextከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስ።
Translation | Contextምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬድሕነና እዩ፡ እናበለ ኺጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፣ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓርን ዚውሕዛ፣ ካብ ኵለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ክእትዎም፣ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
Translation | Contextእቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኰነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ።
Translation | Contextእዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ወጸ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኲሉ እቶም ግራሁን በዂራት ኣብዚሖም ሀቡ፡ ናይ ኲሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ኣእተዉ።
Translation | Contextበልኩኹም ድማ፥ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስተዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ካብ ህዝብታት ዝፈሌኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ። ስለዚ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገርን ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ።
Translation | Context