Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።
Translation | Contextማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።
Translation | Contextኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ።
Translation | Contextእንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።
Translation | Contextግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ።
Translation | Contextኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።
Translation | Contextየሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።
Translation | Contextስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን።
Translation | Contextእቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።
Translation | Contextሽዑ የሱስ፥ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
Translation | Contextንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም።
Translation | Context