Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ።
Translation | Contextእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Contextዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
Translation | Contextእዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።
Translation | Contextነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።
Translation | Contextኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቍረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቁረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቍራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቋር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ።
Translation | Contextናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ።
Translation | Contextእቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝአመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም።
Translation | Contextእቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም፣ ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስክሕ እዩ።
Translation | Contextትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።
Translation | Contextቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።
Translation | Context