Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት።
Translation | Contextኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።
Translation | Contextደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።
Translation | Contextንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።
Translation | Contextንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣
Translation | Contextኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ።
Translation | Contextእንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኵሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን። ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። የሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኵሎም፥ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑ፥ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን አለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። የሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ አሎ፡ በሎ። እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብኤት ምስ ረአየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ። ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፥ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸ። የሱስ ሰሚዑ፥ ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻ፡ ካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ። እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካ፡ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግልባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾም፡ ብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕ። ሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦን። እግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄር፡ ብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካን፡ ወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦን። ሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳ፡ ቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራን፡ ወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉን። ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍ፡ ኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባ፡ ዚረድኣካ ኸኣ የልቦን። ኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡ፡ ኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕንጨይትን ንእምንን፡ ከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብ። ወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድ። ንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢ፡ ከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢ፡ ገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍር፡ ንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካ፡ ስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትን፡ ብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መወዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካ፡ እግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲ፡ ሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲ፡ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም ውን የልቦን።
Translation | Contextኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ። ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም - ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረአየውን ተመልሰ። ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፥ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። ገሊኦም፥ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ። ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም። ነቲ ቕድም ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት። ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ጽብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም። ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየክብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይክእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ። እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን እሞ፥ እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም። እቶም ወለዱ ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ ኣይንፈልጥን መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተአዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። ስለዚ እቶም ወለዱ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ። ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ጸረፍዎ እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥ ኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ። የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። የሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። የሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም።
Translation | Context