Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

having fun


መክብብ 2:24 | 21 Helpful votes

ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ

Translation | Context
መክብብ 3:13 | 14 Helpful votes

እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 3:1-8 | 12 Helpful votes

ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ አለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ አለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ አለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:13 | 11 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር

Translation | Context
መክብብ 8:15 | 8 Helpful votes

ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ፡ ንታሕጓስ አመስገንኩ፡ እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 11:9 | 7 Helpful votes

ኣታ ወዲብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጒስካበመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ዅሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ

Translation | Context
ዘዳግም 12:7 | 4 Helpful votes

ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፡ በቲ ኣእዳውኩም ዝዘርጋሕኩምሉ ዘበለ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሐጐሱ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩምወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ

Translation | Context
መዝሙር 149:3 | 3 Helpful votes

ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ

Translation | Context
ሉቃስ 15:23-24 | 3 Helpful votes

እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱንብላዕንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 6:16 | 2 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ

Translation | Context
ዘካርያስ 8:5 | 2 Helpful votes

ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፣ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context