Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን። እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ ኻብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ኪጠፍኡ እዮም፡ ክትብልዎም ኢኹም። ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ። ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ ማያት ኣብ ሰማይ ይሕንዝዝ፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ መባርቕ ከኣ ንዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ። ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ። ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም። ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝደኰነ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ዘለዉ በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዚፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ። ተወቒዔ እየ እሞ ወይለይ፡ ቊስለይ የቐንዝወኒ አሎ። ኣነ ግና፡ እዝስ ስቓየይ እዩ እሞ እጽመሞ እየ፡ በልኩ። ድንኳነይ ተበላሸወ፡ ኲሉ መገታተሪየይ ተበታተኸ። ደቀይ ካባይ ወጹ፡ የለውን ከኣ። ሓደ እኳ ድንኳነይ ዚተክል፡ መጋረጃይ ከኣ ዚሰቅል የልቦን። ጓሶት ተዐንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ። እንሆ፡ ንኸተማታት ይሁዳስ ዑናን መሳፍሮ ወኻሩን ምእንቲ ኺገብረን ኢሉ ድምጽን ብርቱዕ ህማምን ካብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ አሎ። ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ። ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቚጥዓኻ ኣይኰነን። ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ወሒጦምዎ፡ ወዲኦምዎ፡ ማሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን ናብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌትን ደኣ ኽዐዎ።
Translation | Contextበታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኩን፡ በሎም። እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረአይዎ፡ ተሐጐሱ። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣካትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለአኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን።
Translation | Contextካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።
Translation | Context