Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፡ ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ። ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ፡ እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመት። እግዚኣብሄር ይቐትል፡ የሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ፡ የውጽእ ድማ። እግዚኣብሄር የድኪ፡ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል። ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉ፡ ምስ መኳንንቲ የቐምጦም፡ ዝፋን ክብሪውን የውርሶም። ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡ ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ። ኤልቃና ድማ ናብ ቤቱ ንራማ ኸደ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ዀይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን። እቶም ካህናት ኣብቲ ህዝቢ እዚ ልማድ እዚ ነበሮም፡ ዝዀነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ ምስ ዚስውእ፡ ገና እቲ ስጋ ኺበስል ከሎ፡ ጊልያ እቲ ኻህን ሰለስተ ዘጻብዑ ሻኳ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ ናብ ቊራዕ ወይ ናብ መቚሎ ወይ ናብ ድስቲ ወይ ናብ ጻሕሊ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዐሎ ዘበለ፡ እቲ ኻህን ንርእሱ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሺሎ ዚመጹ ዅሎም እስራኤላውያን ከምኡ ይገብርዎም ነበሩ። ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ ኸለዉውን፡ ጊልያ እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መጺኡ፡ እቲ ኻህን ብርንዶ ደኣ እምበር፡ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፡ ዚጥበስ ስጋ ሀበኒ፡ ይብሎ ነበረ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ፡ ቅድም እቲ ስብሒ ፍጹም ይሕረር፡ ደሓር ነፍስኻ ዝደለየቶ ውሰድ፡ እንተ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋል ሕጂ ደኣ ሀበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኽወስድ እየ፡ ይብሎ ነበረ። እቶም ሰባት በዚ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት እቶም መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ። ግናኸ ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኤፎድ ተዐጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። ኣዲኡ ድማ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ገበረትሉ፡ እቲ ናይ ዐዓመት መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውእ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ ከላ፡ በብዓመት ተምጽኣሉ ነበረት። ኤሊ ድማ ንኤልቃናን ንሰበይቱን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር እተወፈየ ውፉይ፡ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሀብካ፡ ኢሉ መረቖም። ናብ ቦታኦም ከኣ ኸዱ። እግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓ፡ ጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ወለደት። ሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየ። ኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ፡ እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለዉ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዚድቅስወንን ሰምዔ። ንኣታቶም ከኣ፡ እዚ ኻብ ብዘሎ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘሎኹ ኽፉእ ግብርኹምሲ ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ነገር ትገብርዎ ዘሎኹም፧ ኣይፋልኩም ደቀየ፡ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ገሃሲ ትገብርዎ አሎኹም እሞ፡ እዚ ኣነ ዝሰምዖ ዘሎኹ ወረስ ጽቡቕ ኣይኰነን። ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ፡ ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልዶ፧ በሎም። እግዚኣብሄር ኪቐትሎም ስለ ዝደለየ ግና፡ ዘረባ ኣቦኦም ኣይሰምዑን። ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ። ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፈርኦን ከለዉ፡ ንቤት ኣቦኻ ብርግጽዶ ኣይተገለጽኩላን እየ፧ ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ ዕጣን ኪዐጥን፡ ኣብ ቅድመይውን ኤፎድ ኪጸውር ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤልዶ ንኣይ ሐርየዮ ኣይኰንኩን፧ ኵሉ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊኸ ንቤት ኣቦኻዶ ሂበዮ ኣይኰንኩን፧ ነቲ ኣብ ማሕደረይ ኪቕረብ ዝአዘዝኩ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ደኣ ስለምንታይ ኢኹም እትረግጽዎ ዘሎኹም፧ ካብ ኵሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኽትሰብሑስ፡ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ፧ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ ብርግጽ ኢለዮም ነበርኩ፡ ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም እሞ፡ እዝስ ካባይ ይርሐቕ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ኣብ ቤትካ ኣረጊት ምእንቲ ኸይርከብ፡ ቅልጽምካን ቅልጽም ቤት ኣቦኻን ዝሰብረለን መዓልታት ኪመጻ እየን። በቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕስ፡ ኣብ ማሕደረይ ሽጋር ክትርኢ ኢኻ፡ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ኣረጊት ኣይርከብን። እቲ ኣነ ኻብ መሰውእየይ ዘይቈርጾ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምሕቃቕ ነፍስኻውን ንምምህማን ኪኸውን እዩ። ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለ ኸኣ ብጕብዝናኡ ኺመውት እዩ። እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ዚመጽእ፡ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኺሞቱ እዮም፡ እዚ ምልክት ኪዀነካ እዩ። ኣነ ኸኣ ከም ልበይን ከም ነፍሰይን ዚገብር እሙን ካህን ከተንስእ እየ፡ ንእኡ ድልድልቲ ቤት ክሰርሓሉ እየ፡ ንሱውን ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚ መሲሄይ ኪመላለስ እዩ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቤትካ ዝተረፈ፡ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ሓንቲ እዛም እንጌራን ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግድ እዩ። ቊራስ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት ኰታ ግበረኒ፡ ድማ ኺብሎ እዩ።
Translation | Contextሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፡ ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ።
Translation | Contextሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፡ ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ። ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ፡ እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመት። እግዚኣብሄር ይቐትል፡ የሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ፡ የውጽእ ድማ። እግዚኣብሄር የድኪ፡ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል። ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉ፡ ምስ መኳንንቲ የቐምጦም፡ ዝፋን ክብሪውን የውርሶም። ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡ ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።
Translation | Contextኣብ ራማታይም-ጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬም፡ ኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ፡ ወዲ የሩሓም፡ ወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኺሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ። እታ ኤልቃና ዚስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሀቦም። ንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሀባ። እግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። ንሱ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዚገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ ኸኣ በኸየት፡ ኣይበልዔትን ድማ። ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያ፡ ሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ፡ እንታይከ ኼንኪ ዘይትበልዒ፡ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧ በላ። ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስኤት። ካህን ኤሊ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበ። ኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ፡ ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ፡ በላ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን፡ ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርአየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ። ሽዑ ኤሊ፡ ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ፡ ኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብ፡ በለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዔትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉ። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣ፡ እግዚኣብሄርውን ዘከራ። ኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋ፡ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ። እቲ ሰብኣይ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ደየበ። ሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤ፡ ከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ፡ በለቶ። ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ሐሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ አሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።
Translation | Context