Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ደቂ ኖህ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ከኣ ኣቦ ኸነኣን እዩ። እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ከኣ ሰብ ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርዉ። ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ኸኣ ተኸለ። ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነ። ካም፡ ኣቦ ኸነኣን ከኣ ሕፍረት ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሲዶም ኣብ መንኩቦም ገይሮም እናኣድሓርሓሩ፡ ሕፍረት ኣቦኦም ከደኑ። ገጾም ንድሕሪት ገይሮም፡ ሕፍረት ኣቦም ኣይረኣዩን። ኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ድማ ፈለጠ። በለ ኸኣ፡ ከነኣን ርጉም፡ ነሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን። በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሴም፡ ይባረኽ። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን። ኣምላኽ ንያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበር። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።
Translation | Contextካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮም፡ ነፍስ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶም፡ በብህዝቦም ተፋላለዩ።
Translation | Contextእስራኤል ናብ ግብጺ መጸ፣ ያእቆብውን ኣብ ሃገር ካም ሰፈረ።
Translation | Contextኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ድማ ፈለጠ።
Translation | Context