Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

grief


ማቴዎስ 5:4 | 22 Helpful votes

ዚጕህዩምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 16 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 15 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስነቚሳሎም ይዘንን

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 7 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 6 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 6 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
መዝሙር 56:8 | 5 Helpful votes

ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28-30 | 5 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
መክብብ 3:1-17 | 4 Helpful votes

ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ አለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ አለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ አለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ። እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ። ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸኣ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ። ኣነውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ከም ዘሎ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ከም ዘሎ ርኤኹ። ኣነ ብልበይ ንዅሉ ነገርን ንዅሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context