Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን። ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር። ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ። ኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡ፡ ርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ። ሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፡ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።
Translation | Contextእምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ።
Translation | Contextብዝዀነ ምስሊ፡ ብመልኽዕ ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዂሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፡ ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ፡ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ዂሉ ዓሳ ኸኣ፡ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።
Translation | Contextኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።
Translation | Contextኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡
Translation | Contextእዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾ፡ ምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ።
Translation | Contextካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።
Translation | Contextምላሽ ኣምላኽከ እንታይ በሎ፧ ንበዓል ዘይሰገዱ ሾብዓተ ሽሕ ሰብኣይ ንርእሰይ ኣትሪፈ አሎኹ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።
Translation | Contextጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣ እዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉን፣ ኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ አለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኦቦት ከኣ ሰፈሩ።
Translation | Contextነታ ዓባይ ቤት ድማ ብሉሕ ጽሕዲ ኸደና፡ ንእኡውን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስየታትን ሰንሰለታትን ገበረ። ነታ ቤት ኪስልማ ድማ ክቡር ኣእማን ገበረላ። እቲ ወርቂ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም እዩ ዝነበረ። ነታ ቤትን ነቲ ኣግማልን ንልዳውትን ንመንደቓታን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፡ ኣብቲ መንደቓት ድማ ኪሩቤል ቀረጸሉ።
Translation | Context