Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

good intentions


1ይ ዮሃንስ 3:18 | 30 Helpful votes

ኣቱም ደቀየብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር

Translation | Context
ቈሎሴ 3:1-25 | 17 Helpful votes

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩመዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነንክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉምንዝርርኽሰትፍትወት ስጋክፉእ ትምኒትስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራምንጽርጻርክፍኣትጸርፊዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩምከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩምንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውንግዝረትን ዘይግዝረትንባርባርን ስኪትንባርያን ጭዋን የልቦን። እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢለውሃትትሕትናዓቕሊትዕግስቲ ልበሱንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ። ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩምብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ። ኣትን ኣንስቲከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡትነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን። ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን

Translation | Context
ያእቆብ 4:17 | 15 Helpful votes

እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ

Translation | Context
መዝሙር 26:1-12 | 10 Helpful votes

እግዚኣብሄርብንጽህና ተመላሊሰከይተሐንኰሉ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ። ዎ እግዚኣብሄርመርምረንን ተዐዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ አሎኹ። ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩንንማሕበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ። ዎ እግዚኣብሄርነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበንድምጺ ምስጋና ኸስምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄርንቤት ማሕደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ። ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣንንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ። ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስኣድሕነኒ ምሓረኒውንእግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ፣ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:4 | 8 Helpful votes

እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።

Translation | Context