Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።
Translation | Contextካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም። ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።
Translation | Contextእቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።
Translation | Contextኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።
Translation | Contextኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።
Translation | Contextእታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextእቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን። ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም። ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧ ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። ተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧ እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።
Translation | Contextንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል።
Translation | Contextፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።
Translation | Context