Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
Translation | Contextብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextእቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንዅሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን አለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸኣ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡
Translation | Contextንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextእንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም።
Translation | Contextብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከአሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣአሎ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ። ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።
Translation | Contextነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ አሎና።
Translation | Contextሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።
Translation | Contextኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።
Translation | Contextዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።
Translation | Context