Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

gods name


ማቴዎስ 6:9 | 8 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስማካ ይቀደስ

Translation | Context
ዘጸአት 3:13-15 | 7 Helpful votes

ሙሴ ድማ ንኣምላኽእንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስእንታይ ክብሎም እየ፧ በሎኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴእቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹበሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ አሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒበሎምኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩምኣምላኽ ኣብርሃምኣምላኽ ይስሃቅኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:7 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል

Translation | Context
ፊልጲ 2:10-11 | 6 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ

Translation | Context
ኤርምያስ 16:21 | 5 Helpful votes

ስለዚ እንሆ፡ ከፍልጦም እየ፡ በዚ ጊዜ እዚ ኢደይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፡ ስመይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:12 | 5 Helpful votes

ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

Translation | Context
ዘጸአት 3:15 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩምኣምላኽ ኣብርሃምኣምላኽ ይስሃቅኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 61:8 | 4 Helpful votes

ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 52:6 | 4 Helpful votes

ስለዚ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፡ ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እኔኹልካ፡ ዚብል ኣነ ኸም ዝዀንኩ ኺፈልጥ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 7:14 | 3 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 13:18 | 3 Helpful votes

እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይከ ስመይ እትሐትት፧ ንሱ መንክር እዩ፡ በሎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 42:8 | 3 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር እየስመይ እዚኣ እያክብረተይ ከኣ ንኻልእምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።

Translation | Context
ሮሜ 8:15 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም።

Translation | Context
ዘጸአት 34:14 | 3 Helpful votes

እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ

Translation | Context
መዝሙር 20:7-8 | 3 Helpful votes

ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና። ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:5 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን።

Translation | Context
ምሳሌ 30:4 | 2 Helpful votes

ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ፧ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ፧ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዔስ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ስሙስም ወዱኸ እንታይ እዩ፧ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ፧

Translation | Context