Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ።
Translation | Contextሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ።
Translation | Contextርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡
Translation | Contextኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
Translation | Contextእቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ።
Translation | Contextኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
Translation | Contextንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ። ነቲ ኽምጕሶ ዝደሌኹ ኽምጕሶ እየ፡ ነቲ ኽምሕሮ ዝደሌኹ ድማ ክምሕሮ እየ፡ በለ። ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ አሎ፡ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳድ ከውሒ እገብረካ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ እየ። ኢደይ ድማ ኤልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒ፡ ግጸይ ግና ኣይርኤን እዩ፡ በለ።
Translation | Contextበታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።
Translation | Contextድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፣ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ በወደቕኩ።
Translation | Contextኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ሒዙ ንላዕሊ፣ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኤኹ፣ ኣብ ዝርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፣ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፣ ድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ።
Translation | Contextጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብሺግዮኖት። ዎ እግዚኣብሄር፣ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፣ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ፣ ብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክር። እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፣ እቲ ቅዱስ ከኣ ካብ ከረን ፋራን መጸ። ሴላ። ክብረቱ ሰማያት ከደነ፣ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት። ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፣ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፣ ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤ። ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደ፣ ረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ። ደው በለ፣ ንምድሪውን ለክዓ፣ ጠመተ፣ ነህዛብ ከኣ ኣንቀጥቀጦም፣ እቶም ዘለኣለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፣ እቶም ጥንታውያን ኵርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፣ መገድታቱ ካብ ዝለኣለም እዩ። ድንኳናት ኢትዮጵያ ኺጭነቑ ኸለዉ ርኤኽዎም፣ መጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡ። እግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቘጢዕዎ እዩ፧ በፍራስካ፡ ብናይ ምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲ፡ ኵራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፡ ቍጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ዀይኑ እዩ፧ ከምቲ ብቓልካ ዝመሐልካዮ፣ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትካ ገተርካሎም። ሴላ። ንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ። እቶም ኣኽራን ረኣዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፣ ሞገድ ማያት ሐለፈ፣ መዓሙቝ ድምጺ ኣስምዔ፣ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ። ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቈማ፣ ብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኵናትካን ከዱ። ንምድሪ ብዅራ ሐለፍካያ፣ ነህዛብ ብቝጥዓ ኣኼድካዮም። ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፡ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካ፡ ርእሲ ቤት ረሲእ ጨፍለቕካ። ሴላ። ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኵናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኪብትኑኒ መጹ፣ ሓጐሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ። ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፣ ነቲ ዅምራ ዓበይቲ ማያት ረገጽካዮ። ሰማዕኩ፣ ከብደይ ከኣ ኣንቀጥቀጠ፣ ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣምፈጥፈጠ፣ ቍንቍነ ኣብ ኣዕጽምተይ ኣተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ። ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፣ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፣ ግርሁ ምግቢ ኣይኩህቡን እዩ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፣ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፣ ብኣምላኽ ምድሀነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፣ እቲ ጐይታ፣ ሓይለይ እዩ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ። ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ አሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣን፣ ድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ። ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም። ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ። ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል አሎ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ።
Translation | Context