Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all24 bible verses about
እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።
Translation | Contextደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።
Translation | Contextግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም።
Translation | Contextግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
Translation | Contextብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ።
Translation | Contextእምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።
Translation | Contextኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
Translation | Contextእቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
Translation | Contextገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።
Translation | Contextቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።
Translation | Contextግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ።
Translation | Contextኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።
Translation | Contextግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።
Translation | Contextማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
Translation | Contextእምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።
Translation | Contextብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
Translation | Context