Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።
Translation | Contextእቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።
Translation | Contextኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ።
Translation | Contextኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።
Translation | Contextእቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን።
Translation | Contextንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፡ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም፡
Translation | Contextየሱስ በሎ፥ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።
Translation | Contextበታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፥ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ አሎኹ። ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ከኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።
Translation | Contextእቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡
Translation | Contextንስኻ ደኣ ኢኻ ኣቦና፡ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን፡ እስራኤል ድማ ኣየለልየናን እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና፡ ስምካ ኸኣ ካብ ዘለኣለም ተበጃዊና እዩ።
Translation | Contextሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና።
Translation | Contextኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።
Translation | Contextጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።
Translation | Contextእቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
Translation | Context