Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።
Translation | Contextኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextቅልውላው ከይሐዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ረአየ፧ ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት። ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪ። ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ፡ ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።
Translation | Contextእተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኰናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ፡ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሐሪሰን ይጸንሓ፡ በላኦ።
Translation | Contextድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል አሎ።
Translation | Contextነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ኣብኡ፡ ኸለዉ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ።
Translation | Contextእቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።
Translation | Contextሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።
Translation | Contextንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ። ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር። በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥ፡ መዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ። ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ። ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጻህ ምስ መልአ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሐርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ። ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸኣ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ። ገንሸል ዚአክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።
Translation | Contextንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም።
Translation | Context