Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

generational curses


ዘሁልቍ 14:18 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ፡ ንሱ በደልን ሓጢኣትን ይቕረ ይብል፡ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ኽሳዕ ራብዓይን ወለዶ ይቐጽዕ እምበር፡ ንበዳሊ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን።

Translation | Context
ዘጸአት 20:5 | 5 Helpful votes

ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:20 | 5 Helpful votes

እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውትውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 24:16 | 5 Helpful votes

ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት

Translation | Context
ገላትያ 3:13 | 4 Helpful votes

ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:19-20 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ፣ ስለምንታይ እዩ እቲ ወድስ ኣበሳ ኣቦኡ ዘይጸውርትብሉ አሎኹም። እቲ ወዲቅንዕናን ጽድቅን ገይሩ ንዅሉ ሕጋጋተይ ሐልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውትውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 9:1-3 | 3 Helpful votes

ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየደቀ መዛሙርቱ ድማመምህርዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለንሱዶ ወይስ ወለዱኢሎም ሐተትዎየሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለወለዱ ኣይበደሉ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:1-32 | 3 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ሃገር እስራኤል እዚ ምስላ እዚ፣ ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወኢልኩም እትምስሉ፡ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እዚ ምስላ እዝስ ድሕርዚ ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም። እንሆ፣ ኵለን ነፍሳት ናተይ እየን፣ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ። ጻድቕ ሰብ እንተሎ፣ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፣ ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዔኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ እንተ ዘይበላ፣ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዝየራኸሰ፣ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበንሓደ እኳ እንተ ኣይገፍዔንብዓል ዕዳ ታሕዚ እንተ መለሰሉ፣ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዐመጸ፣ እንጌራኡ ንጥሙት እንተ ሀበንዕሩቕ ከኣ ክዳን እንተ ኸደነ፣ እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠንኢዱ ካብ ኦኣምጻ እንተ ኸልከለ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደብሕጋጋተይ እንተ ተመላለሰጽድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሐለወ፣ ንሱ ጻድቕ እዩ፣ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ግናኸ ንሱ ዓማጺከዓው ደም፡ ካብዚ ነገር እዚ ኸኣ ሓደ ግዛዕ ዚገብር ውሉድ እንተ ወለደ፡ እዚ ዅሉ ዘይገብር፣ ኣብ ኣኽራን ዚበልዕሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስንነዳይ ንድኻን ዚገፍዕ፣ መንዚዑ ዚወስድ፣ ታሕዚ ዘይመልስኣዒንቱ ናብ ጣኦታት ዝቘላሕታኤንፍንፉን ነገር ዚገብር፣ ዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፣ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ያእ፣ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፣ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሲ ከኸውን እዩ። እንሆ ኸኣ፣ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ፣ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ኵሉ ሓጢኣት ኪርእን ዚፈርህን ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፣ ኣብ ኣኽራን ዘይበልዕኣዒንቱ ድማ ናብ ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ ዘየብል፣ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስንሓደ እኳ ዘይገፍዕታሕዚ ዘይሕዝ፣ መንዚዑ ዘይወስድ፣ እንጌራኡ ንጥሙይ ዜብልዕንዕሩቕውን ክዳን ዚኸድንንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዚመልስሓረጣን ካዕበትን ዘይወስድፍርደይ ዚገብርብሕገይ ዚመላለስ፣ ንሱ ብህይወት ኪነብር እዩ እምበር፣ ብሰሪ ኣበሳ ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ። ኣቦኡ ዓመጸኛ ስለ ዝነበረ፣ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድኤ፣ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኸኣ ሰናይ ዘይኰነ ስለ ዝገበረ፣ እንሆ፣ ብኣበሳኡ ኺመውት እዩ። ንስኻትኩምሲ፣ ስለምንታይ እዩ እቲ ወድስ ኣበሳ ኣቦኡ ዘይጸውርትብሉ አሎኹም። እቲ ወዲቅንዕናን ጽድቅን ገይሩ ንዅሉ ሕጋጋተይ ሐልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውትውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት እንተ ተመለሰ፣ ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፣ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ። ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፡ ፍታወይሲ ካብ መገዱ ኺምለስ፣ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እቲ ጻድቕከ ኻብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ እንተ ኣበሳ እሞ ከምቲ ረሲእ ዚገብሮ ዅሉ ፍንፉን ነገር እንተ ገበረስ፣ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ፡ ካብቲ ዝገበሮ ጽድቂ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከርን እያ። በቲ ዝጠለሞ ጥልመት በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ። ንስኻትኩም ግና፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይክኰነን፣ ትብሉ አሎኹም። እምብኣርሲ፣ ኣቱም ቤት እስራኤልስምዑ፣ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑዕዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፡ ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ እሞ፣ እንተ ኣበሳ ብእኡ ኸኣ እንተ ሞተ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ እዩ ዚመውት። ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፣ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ኬንብራ እዩ። ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ግህሰቱ ኣስተንቲኑ ስለ እተመልሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብርኣይኪመውትን እዩ። ግናኸ ቤት እስራኤልሲመገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩል ይብሉ አለዉ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ክናዶ መገድታተይ እዩ ዘይቅኑዕዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፡ ስለዚ፣ ኣቱም ቤት እስራኤልንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽተመለሱኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፣ ካብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ ዝገሀስኩምዎ ግህሰት ካባኹም ደርብዩሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ፡ ኣነስ ሞት ኣደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፣ ተመለሱ ብህይወት ከኣ ንበሩይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:36 | 3 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩምብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:39-42 | 2 Helpful votes

እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ። በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዚገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርክዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእቶኽዎምሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶምውን እንተ ተቐበሉ፡ ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ

Translation | Context
ዘጸአት 34:6-7 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሐለፈ አወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄርእግዚኣብሄርመሓርን ጸጋውን ኣምላኽንዂራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅንክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብልግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ።

Translation | Context
ገላትያ 3:10 | 2 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕርጉም ይኹን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 12:3 | 2 Helpful votes

ንዚባርኹኻ ክባርኾምንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 2 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉእንሆኵሉ ሓድሽ ኰይኑ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:32 | 2 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘጸአት 34:7 | 2 Helpful votes

ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብልግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ።

Translation | Context
ሆሴዕ 4:6 | 2 Helpful votes

ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 28:1-68 | 2 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙእግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸእግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡሰማይኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካንብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግልባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትንእግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾምብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦንእግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄርብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካንወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦንሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራንወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉንብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባዚረድኣካ ኸኣ የልቦንኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲንዕንጨይትን ንእምንንከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከንኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍርንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካንፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትንብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መወዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስምእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካእግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲእግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 25:4 | 2 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ብሰሪ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን

Translation | Context
ዘዳግም 5:9 | 2 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተምልኮም።

Translation | Context