Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

gaza


ኣሞጽ 1:7 | 10 Helpful votes

ኣነ ናብ ቀጽሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

Translation | Context
ጸፎንያስ 2:4 | 8 Helpful votes

እምብኣርሲ ጋዛ ኽትሕደግኣስቃሎን ክትባድምኣሽዶድ ብቐትሪ ኽትስጐጕዔቕሮን ድማ ክትምንኰስ እያ።

Translation | Context
ኣሞጽ 1:6 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ኪህብዎምሲንዅሎም ምርኮ ማሪኾምዎም እዮ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ጋዛ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይኪመልስን እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39 | 5 Helpful votes

መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦተንሲኡ ኸኣ ከደእንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ከኣ ንፊልጶስሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብበሎፊልጶስ ናብኡ ጐየየነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይበለንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተንብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧ እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒእልምነካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ጽሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉመገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒበለፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱኣጥመቖውንካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን

Translation | Context
መሳፍንቲ 16:21-31 | 4 Helpful votes

እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ። እቲ ጸጒሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቊል ጀመረ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡናኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኺስውኡን ኪሕጐሱን ተአከቡ፡ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርና ዘጥፍኤን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡናኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ። ዀነ ኸኣ፡ ልቦም ምስ ተሐጐሰንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎበሉ። ንሲምሶን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ። ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቘልዓ፡ ነቲ ንቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ ናብኡ ምርሓኒ በሎ። እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኵሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሐቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ። ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ ሲምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ ሓዞሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙትበለብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ። ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞሞ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎንእስራኣኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ

Translation | Context
ኢሳይያስ 17:1-14 | 4 Helpful votes

ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍዖና ዃና ኽትከውን እየ። ከተማታት ኣሮኤር ተሐዲጉ፡ ብዘይ ፍርሃት ዚነብራሉ፡ መውፈር መጓሴታት ኪኸውን እዩ። እምባ ኻብ ኤፍሬምመንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆትርፊ ሶርያውን ኪጠፍእ እዩ። ከም ክብሪ ደቂ እስራኤል ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪውሕድህጥራን ስጋኡውን ኪዐብር እዩ። ከምቲ ዓጻዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ ዚጭምርሮብቕልጽሙ ኸኣ ነቲ ወረን ዚዐጽዶ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ለሰ ረፋይም ንወረን ዚቕርምዎ ድማ ኪኸውን እዩ። ግናኸ ከምቲ ኣውልዕ ምስ ተነዝነዘ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕላይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይስ ሰለስተ ፍረ፡ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከኣ ኣርባዕተ ወይስ ሓሙሽተ ኸም ዚተርፍ፡ ኣብኡ ሒደት ቀሪም ኪተርፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኪብል፡ ኣዒንቱ ኸኣ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪርእያ እየን። ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢ ግልጽ ኣይኪብልን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣስታርቴታት ወይስ ናብ ሓወልቲ ጸሓይ ኣይኪጥምትን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽኑዓት ከተማታቱ፡ ከምቲ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እተሐድገ ቦታታት፡ ዱርን ርእሲ ኣኽራንን ኪዀና እየን፡ ኪባድማ ድማ እየን። ንኣምላኽ ምድሓንኪ ስለ ዝረሳዕኪንኸውሒ ሓይልኺውን ስለ ዘይዘከርኪ፡ ስለዚ ባህ ዜብል ኣትክልቲ ትተኽሊጋሻ ዝዀነ ሓረግ ወይኒውን ተፍልሲ ኣሎኺ። በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ ትሐጽርዮ፡ ኣንጊህኪ ኸኣ ንዘርእኺ ተዐንብብዮ፡ ግናኸ ቀውዒ ብመዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን ይመልቚኣየ፡ ህማም ብዙሕ ህዝብታት፡ ከም ህማም ባሕሪ ይሀምም አሎ፡ ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው። ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው፡ ግናኸ ንሱ ይገንሖምኣርሒቖም ከኣ ይሀድሙ። ከም ብቚቡቚ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ይብተኑ። ኣጋ ምሸት እንሆ፡ ስምባድ ይመጽእ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ኸኣ የለውን። ግደ እቶም ዝማረኹናብጽሒት እቶም ዝዘመቱና እዚ እዩ።

Translation | Context
ኣሞጽ 1:1-15 | 4 Helpful votes

ቃላት ኣሞጽ፣ እቲ ኻብ ጓሶት ተቆዓ ዝነበረ፣ ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓምወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤልን ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮበለውንእግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፣ ካብ የሩሳሌም ከኣ ድምጺ የስምዕ። እቲ ጓሶት ዚጓስዩሉ ይሐዝንርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅጽእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዳ ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደማስቆ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ቤት ሃዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንኣደራሻት ቤን ሃዳድ ከኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ። ንመሃርሃሪ ደማስቆ ኽሰብሮ፣ ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ድማ ካብ ለሰ ኣዌን፣ ነቲ ዘንጊ ዚሕዝ ከኣ ካብ ቤት ኤድን ከጽንቶም እየ፣ ህዝቢ ሶርያውያን ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄርእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ኪህብዎምሲንዅሎም ምርኮ ማሪኾምዎም እዮ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ጋዛ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይኪመልስን እየ። ኣነ ናብ ቀጽሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ። ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኻብ ኣሽዶድ፣ ነቲ ዘንጊ ዝሕዝ ድማ ካብ ኣስቃሎን ከጽንቶም እየ፣ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዔቅሮን ክመልስ እየ፣ እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኪጠፍኡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ነቶም ምሩኻት ብሙልኣቶም ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎምንኺዳን ኣሕዋት ከኣ ኣይዘከርዎን እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ጢሮስ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ቀጽሪ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ንሓዉ ብሰይፊ ሰጒጕዎስ፣ ኵሉ ምሕረት ከኣ ዐጽዩኵራኡ ድማ ኵሉ ጊዜ ቐዳዲዱነድሩውን ንሓዋሩ እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ኤዶም፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ። ኣነ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሽ ቦጽራ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ዶቦም ምእንቲ ኺግፍሑስ፣ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣትክመልስን እየ። ኣነ ኣብ ቀጽሪ ራባ ሓዊ ኽኣጉድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ማእከል ጭድርታ፣ ብመዓልቲ ህውከት ኣብ ማእከል ህቦብላ ሞዅ ኬብሎ እየ። ንጉሶም ድማ፣ ንሱ ምስ መሳፍንቱተማሪኹ ኪኸይድ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
1ይ ነገስት 4:24 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ ነታ ኣብ ክነጀው ርባ ዘላ ዂላ ሃገር፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳዕ ጋዝ ነቶም ክነጀው ርባ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብዂሉ ወገን ሰላም ነበሮ።

Translation | Context
ኤርምያስ 25:20 | 4 Helpful votes

ንዂሎም ሕውስዋስ ህዝብን ንዂሎም ነገስታት ሃገር ኡጽን ንዂሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ንኣስቃሎንን ንጋዛን ንዔቅሮንን ንተረፍ ኣሽዶድን

Translation | Context