Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።
Translation | Contextኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።
Translation | Contextካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም። ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።
Translation | Contextእታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።
Translation | Contextፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።
Translation | Contextተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ኪወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሐነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ኪሰድድ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኺገብር እዩ።
Translation | Contextኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባ። መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕ፡ ምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ክሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ሀዲእኩም ትቕመጡ።
Translation | Contextእታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ።
Translation | Contextቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ አሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ። ኰዐቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ኬፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ። ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ። ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ፧ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስ፡ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ፧ እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ ኤፍልጠኩም፡ ንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ኪርገጽውን እዩ። ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ። እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደም፡ ጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ። ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእከል ሃገር ክትነብሩስ፡ እቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣን፡ ቤት ኣብ ቤት ዚድርቡ፡ ግራት ከኣ ናብ ግራት ዜቕርቡ ወይለኦም። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበኒ።
Translation | Context