Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።
Translation | Contextብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
Translation | Contextብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ።
Translation | Contextፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።
Translation | Contextምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።
Translation | Contextኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።
Translation | Contextንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።
Translation | Contextእቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።
Translation | Contextእወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ።
Translation | Contextሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
Translation | Contextዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩ፣ ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተሐባእኩ፣ ግናኸ ማዕረይ፣ መሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብአይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ። ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና።
Translation | Contextብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።
Translation | Contextዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተአታተዉ።
Translation | Contextእምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ።
Translation | Context