Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧ ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
Translation | Contextእንጌራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፡ ደሓቅር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።
Translation | Contextእቶም ኣበሳ ዚምህዙ፣ ኣብ መደቀሲኦም ከኣ እከይ ዜዳልዉ ወይለኦም። ኣብ ስልጣን ኢዶም ስለ ዝዀኑ፣ ብብርሃን ወጋሕታ ይገብርዎ። ግራሁ ይደልዩ ይዝርፍዎ ድማ፣ ኣባይቲ ይደልዩ ይወስድዎውን። ንሰብኣይን ንቤቱን፣ እወ፣ ንሰብን ንርስቱን ይጭቍኑ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ክሳድኩም ዘይተሎሉሉ፣ ተዐቢኹም ከኣ ዘይትኸዱሉ ሕሰም ነዚ ወለዶ እዚ ኽምህዘሉ እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባኹም ከምዚ ኢሎም ኪምስሉን ቍዝማ ኪቍዝሙን እዮም፣ ብጥራስ ተበዝበዝና፣ ነቲ ግደ ህዝበይ ለወጦ፣ ከመይ ኡሊኸ ኣሕደገኒ፣ ነቲ ግርሁናስ ንዓለወኛታት ዐደሎ። ስለዚ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ነቲ ገመድ መለክዒ ብዕጭ ዜውድቕ የብልካን። ነቶም ዚንበዩ፡ ኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይተነበዩሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ። ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሀል፡ መንፈስ እግዚኣብሄርዶ ሐጺር እዩ፧ ግብሩኸ እዚ ድዩ፧ ነቲ ብቕንዕና ዚኸይድሲ ቓላተይ ሰናይ ኣይኰነን፧ ህዝበይ ግና ካብ ቅሩብ ጊዜ ጀሚሩ ኸም ዘላኢ ተላዕለ፡ ነቶም ጸረ ውግእ ዝዀኑ ሀዲኦም ዚሐልፋስ ባርኖሶም ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ትገፉ። ነንስቲ ህዝበይ ካብ ኣባይቲ ደስታኤን ትሰጕወን፣ ካብ ደቀን ክብረተይ ንሓዋሩ ትወስዱ። ብሰሪ እቲ ህሱም ጥፍኣት ዜጥፍእ ርኽሰት፣ እዚ ስፍራ ዕረፍትኹም ኣይኰነን እሞ፣ ተንስኡ፣ ኪዱ። ኣነ ብዛዕባ ወይንን ብርቱዕ መስተን ክንበየልካ፣ ኢሉ ደድሕሪ ንፋስ ዚስዕብን ሓሶት ዚዛረብን እንተሎ፣ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ነብዪ ይኸውን። ዎ ያእቆብ፣ ኣነ ክእክበካ፣ ኵለንትናኻ ክእክብ፣ ነቲ ተረፍ እስራኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ፣ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ክምጽኦ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዕለ ብርቱዕ ወካዕታ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ።
Translation | Contextእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
Translation | Contextስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ።
Translation | Context