Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።
Translation | Contextካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም።
Translation | Contextነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።
Translation | Contextግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ። ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚአከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከአሎ እዩ፡
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
Translation | Contextንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል።
Translation | Contextየሱስ እዚ ምስ ረአየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።
Translation | Contextንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።
Translation | Contextብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።
Translation | Contextምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።
Translation | Contextእቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
Translation | Contextጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ፡ ኣይትግፍዕዎ።
Translation | Contextንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ።
Translation | Contextንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፣ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣
Translation | Context