Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all24 bible verses about
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Contextስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ። እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።
Translation | Contextንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።
Translation | Contextንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።
Translation | Contextእምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።
Translation | Contextንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና።
Translation | Contextምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ።
Translation | Contextሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ።
Translation | Contextስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር።
Translation | Contextከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።
Translation | Contextየሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ።
Translation | Contextንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።
Translation | Contextሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን። ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ። ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን፡ ዕዳኡ ውን ሐደገሉ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ። ሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ፡ ኢሉ ሐነቖ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ፡ ኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ። ነፍሲ ወከፍኩም ነን ሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡
Translation | Contextኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ፡ ንእግዚኣብሄር ፍለጦ፡ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየ፣ ጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።
Translation | Context