Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።
Translation | Contextንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።
Translation | Contextነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።
Translation | Contextፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Contextከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ።
Translation | Contextንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን። ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዓዶም። ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር። ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዓዶም። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕን። ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ።
Translation | Contextጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ።
Translation | Contextደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።
Translation | Contextንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
Translation | Contextንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
Translation | Contextእቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰባኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ኪፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ። ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ አለዉ፡ ስባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ። ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም። የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ። ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ። እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ፡ ዎ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ አሎኻ፧ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ። ንሱ፡ ኣየኖት፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ ዘረባኡ ስምዔ፡ እናጐሀየ ኸደ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ። የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም። ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ፡ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧ በሎ። የሱስ በሎም፥ ንስኻርኩም ዝሰዐብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪኰኑ እዮም።
Translation | Contextግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚአምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ።
Translation | Context