Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
Translation | Contextኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ዝጠፍኤ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ አለዉ። ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሐሊፎም ኣየስልጡን እዮም። ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንትዕግስተይ፡ ኣጸቢቕካ ሰዓብካ። ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ብዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኵሉ ኣድሐነኒ። ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም። እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
Translation | Contextወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።
Translation | Contextኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዐበየ ማናይንን ሳውልን። እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።
Translation | Contextሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ።
Translation | Contextናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ።
Translation | Contextስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ።
Translation | Contextከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።
Translation | Contextንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም። ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ። ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡ ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ፡ ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ። ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ። ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም፡ ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ። ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ። ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዩም። ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን። ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ። እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም። ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምበኣርሰ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን። ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ። ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበሎ። ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ። የሱስ፥ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥ ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ።
Translation | Contextንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጕዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ።
Translation | Contextመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።
Translation | Contextነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም። ደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።
Translation | Contextካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።
Translation | Context