Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Contextከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ።
Translation | Contextኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹወን እየ።
Translation | Contextንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ፡ ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።
Translation | Contextሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።
Translation | Contextፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዂ ዝበቘለት ዕምባባ ሹወን እያ።
Translation | Contextኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፣ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፣ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ።
Translation | Contextዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።
Translation | Contextምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ።
Translation | Context