Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።
Translation | Contextካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ። ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
Translation | Contextሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።
Translation | Contextእዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
Translation | Contextቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ።
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር። ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹ። ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ እቲ ኣቦ አለዎ። ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextመሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ።
Translation | Context