Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡
Translation | Contextበኹራት ፍረ ምድርናን በኹራት ኵሉ ፍረ ናይ ኵሉ ዓይነት ኣግራብናን በብ ዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከነምጽእ፡
Translation | Contextበዅሪ ዅሉ ፍርያትኩምን፣ ኵሉ መባእኩም፣ ዝዀነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኺሐድራስ፣ በዅሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሀቡ።
Translation | Contextብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
Translation | Contextበሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዝሀበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዐጽዱ ኸሎኹም ድማ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ፡ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ። በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ንዚሐርር መስዋእቲ ጐደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። ነታ ምስኡ ዘሎ መስዋቲ ብልዒ ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ራብዓይ ኣፍ ሂን ወይኒ ይኹን። ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ ዀነ፡ ጥቡስ ሰዊት ኰነ፡ ዘይጥቡስ ሰዊት ኰነ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
Translation | Contextእቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩውን ቅዱስ እዩ።
Translation | Contextሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ።
Translation | Contextእዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ወጸ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኲሉ እቶም ግራሁን በዂራት ኣብዚሖም ሀቡ፡ ናይ ኲሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ኣእተዉ።
Translation | Contextካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ።
Translation | Contextበዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።
Translation | Contextኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኵሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን አቲካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኺሀበና፡ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ኸም ዝአቶኹ፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኤፍልጥ አሎኹ፡ ትብሎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ።
Translation | Contextካብ ዘይቲ ዝበለጸ ዅሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ዚህብዎ በዅራት ንኣኻ ሂበካ አሎኹ።
Translation | Contextቀዳማይ ብሑቕናን ዚለዐል ሞባእናን ፍረ ዅሉ ዓይነት ኣግራብን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ንኻህናት ናብ ክፍልታት ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ናይ ምድርና ዕሽር ከአ ንሌዋውያን ነምጽእ፡ ንሳቶም፡ እቶም ሌዋውያን፡ ካብ ኵሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዕሽር ይውሰዱ።
Translation | Contextግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።
Translation | Contextእስራኤል ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ በዂሪ ቐውዑ ነበረ፡ ዚበልዕዎ ዘበሉ ይዕግቡ፡ ሕሰም ድማ ኪወርዶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር አሎና።
Translation | Contextመጀመርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኣ ኣይተብስሎ።
Translation | Contextድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ።
Translation | Context