Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።
Translation | Contextቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Contextኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን።
Translation | Contextነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፣ ዘርኡውን ብሩኽ እዩ።
Translation | Contextንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡
Translation | Contextእምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧
Translation | Context[ ንሊቀ መዘምራን፡ ብንጊኖት፡ ናይ ዳዊት መዝሙር። ] ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ።
Translation | Contextካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧
Translation | Contextእግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን።
Translation | Contextደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
Translation | Contextእቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱን፣ ኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን አሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።
Translation | Contextብሩር ናተኡ እዩ፣ ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Context