Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐሱ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
Translation | Contextካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ።
Translation | Contextእቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Contextኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextእቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።
Translation | Contextውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።
Translation | Contextሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።
Translation | Contextሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ። ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።
Translation | Contextንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።
Translation | Context