Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all35 bible verses about
ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ። ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማ፡ ቃላት ትዛረብ፡
Translation | Contextኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።
Translation | Contextጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤት-ሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሔት።
Translation | Contextሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።
Translation | Contextወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ፡ ኲሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ። ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ። ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ። ሰብዶ ሓዊ ሐቝፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡
Translation | Contextግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ።
Translation | Contextጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ።
Translation | Contextሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
Translation | Contextኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ።
Translation | Contextንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ። ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር፡ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ አመንዝራ ኣየእቱ። ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፡ ዓገብ ከኣ እንተ ዐገበቶ፡ ካልእ ሰብአይ ምስኣ ደቂሱ ድማ ብስጋ እንተ ተራኸባ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለ፡ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት፡ ምስክር ድማ እንተ ዘይተረኽባ፡ ኣብቲ ግብሪውን እንተ ዘይተታሕዘት፡ መንፈስ ቅንኣት ድማ እንተ መጾ፡ ንሳ ብምርካሳ ኸኣ ብሰበይቱ እንተ ቐንኤ፡ ወይ ንሳ ኽይረኸሰት ከላ፡ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ድማ እንተ ቐንኤ፡ ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ፡ ብዛዕባኣ ኸኣ ዓስራይ ኢድ ኤፋ ሓርጭ ስገም ንመስዋእቲ የምጽእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ክፍኣት ዜዘክር መስዋእቲ ብልዒ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይከዐዎ፡ ዕጣንውን ኣይገበሮ። እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፡ ካብቲ ኣብ ምድርቤት ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸኣ ኣብቲ ማይ ይግበር። እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢዳ የንብሮ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሐዝ። እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣ ይበላ፡ ሰብኣይ እንተ ዘይደቀስኪ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንት ዄንኪ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኪ። ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላ፡ እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑ፡ ንኸብድኺ ድማ ብምንፋሑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ፡ ንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ፡ ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን ኣሜን፡ ትበል። እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፎ፡ በቲ መሪር ማይ ከኣ ይደምስሶ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ የስትያ፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ድማ ይአትዋ እሞ ኪመራ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋኣቲ ብልዒ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ይወዝውዞ፡ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ምሉእ ኢድ ወሲዱ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ድሕሪ እቲ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ። ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ዀይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ አትዩ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕ፡ ሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን። እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ። ሕጊ ቕንኣት እዚ እዩ፡ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ ኸላ ጠሊማቶ ምስ እትረክስ፡ ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ኸኣ እንተ ቐንኤ፡ ሽዑ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ድማ እዚ ሕጊዚ ብዘሎ ይግበረላ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ክፍኣት ንጹህ ይኸውን፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ክፍኣታ ትጸውር፡
Translation | Contextሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዂሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን። መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
Translation | Contextኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን፡ ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረን፡ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና፡ በላ። ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ፡ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። ጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም። ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም። ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።
Translation | Contextለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።
Translation | Contextሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸኣ እንተ ጸልኣ፡ ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋ፡ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡ ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዋ። ኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ይበሎም፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ ሀብክዎ፡ ንሱ ኸኣ ጸልኣ። እንሆ ድማ፡ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ዜነውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ። ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ከኣ ትኹን፡ ብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። እቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፡ ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
Translation | Contextሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ።
Translation | Contextሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሐጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ነቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትዅን። ብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ፡ ወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ።
Translation | Contextብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ።
Translation | Contextበቲ ወርሓት እቲ ኸኣ ዀነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላዊ ሰብኣይ ኣተወ። ይሁዳ ኣብኡ ጓል ሱዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረአየ፡ ወሲዱ ኸኣ ኣተዋ። ንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ። ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ኦናን ኣውጽኣትሉ። ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወዲ ወለደት፡ ስሙውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንእኡ ኽትወልድ ከላ፡ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ። ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። ዔር በዅሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝም፡ በሎ። ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱ፡ ንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎ። እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ፡ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ፡ ወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ፡ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት። ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ምስ ተጸናንዔ፡ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣባጊዑ ዚቘርጹ ናብ ቲምናት ደየበ። ንታማር ድማ፡ እንሆ፡ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ አሎ ኢሎም ነገርዋ። ንሳ ኸኣ፡ ሼላ ዓብዪ ኽንሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ከምዘይተዋህበት ረአየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራ፡ መጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት። ይሁዳ ምስ ረአያ፡ ገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ። ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱ፡ በጃኺ፡ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ትህበኒ፧ በለቶ። ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕዚዶ ትህበኒ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪ፧ በለ። ቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን፡ በለት። ሀባ እሞ አተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት። ተንሲኣ ኸኣ ከደት፡ መጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት። ይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ፡ ብኢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ እያ ዘላ፧ ኢሉ ሐተተ። ኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ በሉ። ናብ ይሁዳ ተመልሊሱ ድማ፡ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎ። ይሁዳ ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ፡ ንስኻ ኸኣ ኣይረኸብካያን እሞ፡ መላገጺ ኸይንኸውንሲ፡ ትውሰዶ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ፡ በለ። ምስ ኣውጽእዋ ድማ፡ ናብ ሓሙኣ፡ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ፡ ኢላ ሰደደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ፡ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝዀና፡ እስኪ ኣለሊ በጃኻ፡ ድማ በለት። ይሁዳ ኸኣ ኣለልይዎ፡ ንወደይ ሼላ ካብ ዘይሀብክዋስ፡ ካባይ ንሳ ትቐንዕ፡ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን። ኰነ ኸኣ፡ ብጊዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ። ኰነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽኤ፡ እታ መሕረሲት ከኣ፡ እዚ ቕድም ወጸ፡ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። ኰነ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ መለሰ እንሆ፡ ሓዉ ወጸ። ንሳ ኸኣ፡ ከመይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ፧ በለት። ስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለ። ብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ወጸ። ስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ።
Translation | Contextሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝም፡ በሎ። ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱ፡ ንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎ። እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ።
Translation | Contextዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።
Translation | Contextንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ። ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር። በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥ፡ መዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ። ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ።
Translation | Contextንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ አላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ። ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒ፧ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐት፧ ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ። ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩን፡ ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ፡ በላ። እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ።
Translation | Contextሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባ፡ ካብ ቤቱውን ይስደዳ። ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአ፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባ፡ ካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ፡ እንድሕሪ ረኸሰት፡ እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ መሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።
Translation | Contextበታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ ምስ ተፈጥሩ፡ ወለዶ ሰማይን ምድርን እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዐዪ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነበረን፡ ሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቘለትን ነበረት። ግናኸ ንዅሉ ዝባን ምድሪ ዜስቲ ግመ ኻብ ምድሪ ይወጽእ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ። ንገነት ዜስቲ ርባ ከኣ ካብ ኤድን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኰነ። ስም እቲ ሓደ ፒሶን እዩ። ነሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ዅላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብ። ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ ብዶላህን ክቡር ዕንቍን አሎ። ስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን እዩ፡ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ። ስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኸኣ ሄዴቄል እዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረ። እንታይ ከም ዚሰምየን ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ፡ ስሙ ንሱ ዀነ። ሰብ ድማ ንዅሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፡ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል፡ በለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Contextሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበር። ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረት፡ ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም። ኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት፡ እቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም። እቲ ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓኣን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓልን ከንቱ ይገብሮ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪሐድገላ እዩ። ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾኣ ግና፡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላ። ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉ፡ ካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቚሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮ። ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ።
Translation | Contextካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸኣ መፈንጠራ፡ ኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝዀነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑ፡ ሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ። እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩ፡ ይብል። ነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።
Translation | Contextዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደ። ንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።
Translation | Contextከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ። ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምሃራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ።
Translation | Contextኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለአኹሉ። ብዙሕ ህዝቢ ኺቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ አለዉ ይደልዩኻውን አለዉ፡ በልዎ። መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፡ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም። ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ። ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዅሉ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ መዓልትታትካ ኸኣ ኪነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም።
Translation | Contextናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
Translation | Contextፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝም፡ በሎ።
Translation | Context