Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።
Translation | Contextኣቱም ቈልዑ፡ ተግሳጽ ወላዲ ስምዑ፡ ልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ ኣቕልቡ። ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ። ኣነውን ነቦይ ውሉድ፡ ንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ። ሽዑ ኣስተምሀርኒ በለኒውን፡ ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብል። ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ክትሕልወካ፡ ኣፍቅራ፡ ንሳውን ክተዕቍበካ እያ። ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሐቔፍካያ፡ ከተኽብረካ እያ። ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ፡ ዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሩኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን፡ ምእንቲ ኺእዝዞም፡ ፈለጥክዎ፡ በለ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
Translation | Contextእቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፣ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፣ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፣ ነቦታትና ኣዘዞም።
Translation | Contextገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።
Translation | Contextተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ። እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
Translation | Contextኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ። ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፣ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፣ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።
Translation | Contextኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።
Translation | Contextምስላታት ሰሎሞን። ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ፡ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።
Translation | Contextኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ።
Translation | Contextደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
Translation | Contextወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር።
Translation | Contextካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም።
Translation | Contextንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፡ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም፡
Translation | Contextእቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ። እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Context