Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

famine


ኣሞጽ 8:11 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፣ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።

Translation | Context
መዝሙር 107:34 | 5 Helpful votes

ንወሓዝቲ ናብ በረኻንዓይኒ ማያት ናብ ንቚጽ ምድሪንፍርያም ምድሪ፣ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፣ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ

Translation | Context
ሉቃስ 21:11 | 5 Helpful votes

ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 41:53-57 | 4 Helpful votes

እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪአትዋ ጀመራኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ። ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዔ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያንናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩበሎምኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዔ ኸደ። እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዔ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ኪሽምቱናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:7 | 4 Helpful votes

ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
እዮብ 5:20 | 3 Helpful votes

ብዘመን ጥሜት ካብ ሞትብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ኪብጀወካ እዩ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 7:4 | 3 Helpful votes

ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልናኣብ ከተማ ጥሜት አሎ እሞ፡ ኣብአ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢናሕጂ ኸኣ ንኺድናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድብህይወት እንተ ሐደጉናብህይወት ንነብርእንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ኣሞጽ 4:6-9 | 3 Helpful votes

ኣነ ድማ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ጽሩይ ስኒ ሀብኩኹም፣ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩም ከኣ እንጌራ ኣስኣንኩኹም፣ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄር። ኣነውን ንዓጺድ ገና ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዋ ኸሎ፣ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፣ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዘነመ፣ እታ ዘይዘነማ ኽፍሊ ሀጐጐትክልተሰለስተ ኸተማ ድማ ማይ ኪሰትያ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸዳ እሞ ኣይረወያን። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄርብሃጕን ብዋግን ወቓዕኩኹም፣ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ዮኤል 1:16 | 3 Helpful votes

ግምቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንናሓጐስን ደስታን ከኣ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኰነን፡

Translation | Context
ህዝቅኤል 14:13 | 3 Helpful votes

ኣታ ወዲ ሰብሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፣ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዛርጋሕኩላ፣ ነቲ ምርኩስ እንጌራ ድማ እንተ ሰበርኩላጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፣ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፣

Translation | Context
ኤርምያስ 48:33 | 2 Helpful votes

ካብቲ ፈራዪ ግርሁን ካብ ሃገር ሞኣብን ፍስሃን ደስታን ጠፍኤ። ነቲ ወይኒ ኣብ መሓምተሊኡ ኣወዳእክዎ። ድሕርዚ ዘቢብ ብእልልታ ኣይሕምተልን፡ እቲ እልልታ ድማ እልልታ ኣይኰነን

Translation | Context
ኤርምያስ 52:6 | 2 Helpful votes

ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲጥሜት ኣብታ ኸተማ በርትዔህዝቢ እታ ሃገርውን እንጌራ ሰኣነ

Translation | Context
ዘፍጥረት 12:10 | 2 Helpful votes

ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት፡ ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ

Translation | Context
ዮኤል 1:17-20 | 2 Helpful votes

እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኵል መሽመሽእኽሊ ሀጕጉ እዩ እሞ ቈፋፉ ባዶ ዀነ፡ መዓኽንውን ፈረሰ። ኣየ፣ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እተን መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማመጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ ኣለዋ። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ። ወሓዚ ማያት ነጺፉ፣ ነቲ መጓሰዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፣ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ አለዉ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:33 | 2 Helpful votes

ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ

Translation | Context
ዘፍጥረት 41:1-57 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሐለመእንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነበረ። እንሆ ድማሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትስጋኤን ከኣ ስቡሓት ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብቲ ሰልሰላ ኺበልዓ ረአየ። ደድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ካልኦት ሾብዓተ ንምርኣየን ክፉኣትስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት ኣብ ገምገም ርባ ደው በላ። እተን ንምርኣየን ክፉኣትስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ነተን ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትን ስቡሓትን ኣሓ ወሐጥኤንፈርኦን ድማ ተበራበረደቀሰ እሞ ካልኣይ ሳዕውን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ወጻድሕሪኤን ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሰዊት ወጻ። እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ሰዊት ወሓጥኤንፈርኦን ከኣ ተበራበረእንሆ ድማ፡ ሕልሚ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ምስ ወግሔመንፈሱ ኣዕለበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባን ግብጽን ንዅሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮምንፈርኦን ዚፈትሓሉ ግና ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩፈርኦን ብገላውኡ ተቘጥዔንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣእተወናኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሐለምናበበይኑ ዝምፍታሑ ሕልሚ ሐለምና። ኣብኡ ድማ እብራዊ ጐበዝባርያ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኸኣ ሕልምታትና ፈትሓልናንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ። ኰነ ድማ፡ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ዀነ። ንኣይ ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ። ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ ለዊጡ ኣብ ፈርኦን ኣተወፈርኦን ድማ ንዮሴፍሕልሚ ሐሊመዚፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ፡ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኺዛረቡ ሰሚዔ፡ በሎዮሴፍ ድማ ንፈርኦንእዚ ካባይ ኣይኰነንኣምላኽ ደኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ኪመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢለ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ሾብዓተ ስቡሓትን መልክዔን ከኣ ጽቡቓትን ኣሓካብቲ ርባ ደይበን፡ ኣብ ሰልሰላ ይበልዓ ነበራ። እንሆ ድማ፡ ደድሕሪኤን ካልኦት ሾብዓተ፡ ከማታተን ዝምኽፋኤን ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ እኳ ዘይርኤኹዝማሰናን ትርኢተን ኣዝየን ክፉኣትን ዓባሩን ኣሓ ወጻ። እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ ወሓጥኤንኣብ ከብደን ድማ አተዋኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኸኣ ኣይተፈልጠን፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣት ነበራ። ተበራበርኩ ድማብሕልመይ ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኺወጻ ርኤኹድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ወጻ። እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሐጥኤንእዚ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎምዚፈትሓለይ ከኣ ኣይነበረንዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሀደሉ። እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ኣሓ ሾብዓተ ዓመት እየን፡ እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት እየን። ሕልሙ ሓደ እዩ። እተን ደድሕሪኤን ዝወጻ ሾብዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ኸኣ ሾብዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸል ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪዀና እየን። እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩኣምላኽ እቲ ኺገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርኣዮእንሆኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን ሾብዓተ ዓመት ኪመጻ እየን። ብድሕሪኤን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጻ እየን። ብእኤን እቲ ዅሉ ጽጋብ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርሳዕ እዩእቲ ጥሜት ከኣ ነታ ሃገር ኪውድኣ እዩ። ንሱ ኣዝዩ ኺብርትዕ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድሕሪት ዚኸውን ጥሜት እተላዕለ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጽጋብ ኣይፍለጥን። እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ እቲ ነገር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቘርጸ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ። ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዜውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽምናይዘን ዝመጻ ዘለዋ ዓመታት ጽጋብ ዚብላዕ ዝዀነ ዅሉ ይአክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደለብይሐልውዎ ኸኣ። እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጻ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ነታ ሃገር ኪኸውን ይተዐቘርእታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእንእዚ ነገርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኰነፈርኦን ከኣ ንገላውኡከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብበሎምፈርኦን ድማ ንዮሴፍኣምላኽ እዚ ዅሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን። ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዐቢ፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍርኤኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ አሎኹ፡ በሎፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉሻሽውን ከደኖኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። ናብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖቀቅድሚኡ ኸኣ፡ ስገድኢሎም ጨደሩኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺውን ሾሞፈርኦን ድማ ንዮሴፍኣነ ፈርኦን እየኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኣውጽኣሉኣሰናትጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦንሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸዮሴፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ኪብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረእታ ምድሪ ድማ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሻ ሀበት። ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ አከበ፡ ነቲ እኽሊ ኸኣ ኣብ ከተማታት ደለቦ። እኽሊ እቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ግራሁ ድማ ነናብ ማእከል ከታማኡ አከበ። ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ቝጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ፡ ምቝጻር ክሳዕ ዚሐድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ አከበገና ዓመት ጥሜት ከይመጸት ከላ፡ ኣሰናትጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦንዝወለደትሉንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልዱሉዮሴፍ ድማ፡ ኣምላኽ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በዅሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ። ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉእተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪአትዋ ጀመራኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ። ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዔ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያንናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩበሎምኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዔ ኸደ። እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዔ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ኪሽምቱናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።

Translation | Context
ድጒዓ 5:10 | 2 Helpful votes

ካብቲ ረስኒ ጥሜት እተላዕለ ቈርበትና ኸም እቶን ጸለመ

Translation | Context
ሉቃስ 14:12-14 | 2 Helpful votes

ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕምሳሕ እንተ ገበርካስድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውንብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context