Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን።
Translation | Contextካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።
Translation | Contextብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣነ ኸይለኣኽክዎም፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይፍን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ዚንበዩ ነብያት፡ እዞም ነብያት እዚኣቶም ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም። ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ድማ እከዮም ኣብ ርእሶም ከፍስሰሎም እየ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜትን ብሰይፍን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪወድቁ እዮም፡ ዚቐብሮም ድማ ኪስእኑ እዮም።
Translation | Contextእቲ ዝበልኩኹም ኵሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ።
Translation | Contextካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ስለ ዘለዉ እዩ። ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው። ጽያፍ ስለ ዝገበሩስ ኪሐፍሩዶ እዮም፧ ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ምስ ኣራኻኸብኩሎም ከኣ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣ እዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉን፣ ኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ አለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።
Translation | Contextከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።
Translation | Context