Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

faith


ማቴዎስ 21:22 | 8 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕትብልዎ እሞ ከም ኪኸውንኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 7 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 7 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:19 | 5 Helpful votes

ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።

Translation | Context
ማርቆስ 11:22-24 | 5 Helpful votes

የሱስ ድማ መለሰ በሎምውንብኣምላኽ እመኑ። ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወልነዚ ኸረንተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 11:1 | 4 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ

Translation | Context
ሉቃስ 1:37 | 4 Helpful votes

እንሆኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 4 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 11:1-25 | 3 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎምዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረትከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነብእምነት ነስተውዕሎ አሎና። ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ። ሄኖክሞት ምእንቲ ኸይርኢብእምነት ገዓዘቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞኣይተረኽበንብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነናነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤብእምነት ተኣዘዘናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣንመሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑብእምነት ሞቱ። እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩየርእዩ አለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስኪምለሱ ጊዜ ነይርዎምሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊትይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ። ሙሴ ምስ ተወልደወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮምብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁንሙሴ ምስ ዓበየወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃልብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:5 | 2 Helpful votes

እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:7 | 2 Helpful votes

ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ያእቆብ 2:14-26 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብእምነት ኣላትኒእንተ በለግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱሙቑጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕምከምኡ ኸኣ እምነትግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብእምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦብግብሩ ኣይጸደቐንእምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመትትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉዚብል ጽሑፍ ተፈጸመፍቁር ኣምላኽውን ተባህለሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶምብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:24 | 2 Helpful votes

ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context