Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኣፍካ ኽፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን አሎና።
Translation | Contextጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧
Translation | Contextኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጒያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኮነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።
Translation | Contextፍርዲ ዚሕልዉ፣ ኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ።
Translation | Contextመወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡
Translation | Contextኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ።
Translation | Contextካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ መለሰ፥ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፥ እስራኤል፡ ስማዕ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን።
Translation | Contextኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
Translation | Contextመንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሳማማዕ፡ ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ከኣ ዕዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረአየ። ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዝግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ። ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጹኡ፡ ከምኡ ገበረ። ድማ ብመበል፡ ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፡ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱ፡ በሎም። ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት፡ ውዕለቶም ሀቦም፡ በሎ። እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፡ ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጽርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ህያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧ ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል። ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ። ብገለ ነገር ከኣ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ። ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይትደንግጸሉ። ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካ፡ ናብኡ ምለሰሉ። ኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርኤኻ እሞ ከይትሕግዞስ ክትሐድጎ እንተ ሐሰብካ፡ ምስኡ ዄንኻ ኣጸቢቕካ ሐግዞ። ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ። ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል። መማለዲ ነቶም ዚርእዩ የዕውር፡ ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድ። ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ኽም ዝዀነት ትፈልጡ ኢኹም። ሹድሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፡ ፍርያታ ኸኣ ኣእቱ። በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኺበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕካን ድማ ከምኡ ግበር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኪዐርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፉ። እቲ ዝበልኩኹም ኵሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ። ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ። በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ ኣቢብ፡ ብእኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። ጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ። ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ። እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል። ኵሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ። ደም መስዋእተይ ምስ ብዅዕ እንጌራ ኣይትሰውእ። ስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። ቀዳማይ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል። ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተመርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሐድግን እዩ። ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጻልኦም፡ ንዚጻረሩኻ ድማ እጻረሮም። መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ። ንኣማልኽቶም ኣይትስገድ፡ ኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር። ብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ። ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ። ናብቶም እትመጾም ኵሎም ህዝብታት መፍርሄይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ፡ ከሸብሮም ድማ እየ። ንዅሎም ጸላእትኻ ኸኣ ካባኻ ከም ዚሀድሙ ኽገብሮም እየ። ንሃዋውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ካብ ቅድሜካ ዚሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ። እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜካ ኣይሰጎምን እየ። ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ። ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ። ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ። ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ፡ ኣዚ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምብዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ።
Translation | Contextእታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።
Translation | Contextኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።
Translation | Context