Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

expectations


ኤርምያስ 29:11 | 21 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ምሳሌ 10:28 | 6 Helpful votes

ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ፡ ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:18 | 6 Helpful votes

ብርግጽ ዓስቢ አሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ

Translation | Context
እያሱ 1:7-16 | 5 Helpful votes

ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስመዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ። ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞምብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉኢልኩም ኣዝዙእያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ኪህበኩም እዩ። ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከኣ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኵላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድግፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዝሀበኩም ምድሪ ርስትኹምክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉዝአዘዝካና ዅሉ ንገብርናብ ዝለአኽካና ዘበለውን ንኸይድ

Translation | Context
መዝሙር 62:5 | 5 Helpful votes

ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:5 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም።

Translation | Context
ፊልጲ 1:20 | 4 Helpful votes

ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍርከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞትክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 24:14 | 4 Helpful votes

ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተምሀር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ አሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቝረጽን እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 3 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ

Translation | Context
ሚክያስ 6:8 | 3 Helpful votes

ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካእግዚኣብሄርሲቅንዕና ኽትገብርምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:8 | 3 Helpful votes

ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበጽድቁ ንዘለኣለም ይነብርዚብሎኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚአከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከአሎ እዩ፡

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 3 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 33:3 | 2 Helpful votes

ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ።

Translation | Context
እዮብ 22:28 | 2 Helpful votes

ዝሐሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:23 | 2 Helpful votes

ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወልነዚ ኸረንተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 37:1-28 | 2 Helpful votes

ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፣ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፣ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነበረ። ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ፣ እንሆውን፣ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን እዩ፧ በለኒ። ኣነ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ትፈልጥኢለ መለስኩ። ንሱ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፣ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑኢልካውን ንገሮም፣ በለኒእግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። ጅማውቲውን ኸንብረልኩምስጋ ኽገብረልኩምብቘርበት ክኸድነኩምትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ከምቲ እተአዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፣ እንሆ ኸኣ፣ ፍኒሕኒሕ ኰነ፣ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበእንሆ ኸኣ፣ ጅማውትን ስጋን ኪወጾምቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፣ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበ፣ ንንፋስ ተነበየሉንንፋስ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣታ ትንፋስ፣ እዞም ህያዋን ህያዋን ኪዀኑስ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብኦም ንፈስይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮ፣ በለኒ። ኣነ ኸኣ ኸምቲ ዝአዘዘኒ ተነቤኹትንፋስ ድማ ኣተዎምህያዋን ኰኑ፣ በእጋሮም ከኣ ቘሙኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ። ሽዑ ንሱ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዅላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፣ ንሳቶም፣ ዓጻጽምትና ነቐጸተስፋና ተቐብጻ፣ ንሕና ጠፊእና ኢና፣ ይብል አለዉ። ስለዝ ተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፣ ኣቱም ህዝበይ፣ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፣ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወክም እየ። ኣቱም ህዝበይመቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፣ ካብ መቕባራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብሓደ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፣ ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብጾቱን፣ ኢልካ ጽሐፈሉ። ድሕሪኡውን ካልእ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፣ ንዮሴፍ ዕጨይቲ ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብጾቱን፣ ኢልካ ጽሐፈሉ። ሓደ ዕጨይቲ ኪኸውንሲ፣ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ሓደ ክኸውን እዩ። እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፣ በዝስ እንታይ ከም ዝዀነ ሓሳብካዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ፡ ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፣ ንስኻ ኸኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ነገድ እስራኤል ብጾቱን ዘሎ ዕጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፣ ኣብቲ ዕጨይቲ ይሁዳ ኸኣ ክድርቦም፣ ኣብ ኢደይ ሓደ ኪዀኑስ፣ ሓደ ዕጨይቲ ኽገብሮም እየ። እቲ ዝጸሐፍካሉ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፣ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ሃገሮምውን ከእትዎም እየ። ኣብታ ሃገር ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፣ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፣ ድሕርዚ ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን፣ ድሕርዚውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም። ድሕርዚ ደጊም በቲ ጣኦታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም። ኣነ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዚገብሩሉን ዚነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንስቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። ዳዊት ባርያይ ከኣ ኪነግሶም፣ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኪዀኖም እዩ፣ ብፍርደይ ከኣ ኪመላለሱንሕጋጋተይውን ኪሕልውዎን ኪገብርዎን እዮም። ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሀብክዎኣቦታትኩ ከኣ ዚነበርዋን ሃገር ኪነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን ንዘለኣለም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ዳዊት ባሩያይ ድማ ንዘለኣለም መስፍኖ ኪኸውን እዩ። ኪዳን ሰላም ኪኣትወሎም እየ፣ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ኪዀነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ። መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ከቝሞ እየ። ማሕደረይ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኾም ኪኸውን እየ፣ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም። መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ ህዝብታት እቲ ንእስራኤል ዚቕድስሲ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:35 | 2 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:23 | 2 Helpful votes

ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ።

Translation | Context