Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም። ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡
Translation | Contextዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ አሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ፧ ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም፧
Translation | Contextኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።
Translation | Contextእቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Contextብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ።
Translation | Contextእከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።
Translation | Contextእቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።
Translation | Contextቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ።
Translation | Contextከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡
Translation | Context