Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextእምብዛ ረሲእ ኣይትኹን፡ ዓሻውን ኣይትኹን፡ ስለምንታይ ቅድሚ ጊዜኻ እትመውት፡
Translation | Contextንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextኣይትቕተል።
Translation | Contextሰብ ንንፋስ ኪኽልክሎ ስልጣን የብሉን፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ዚስልጥንውን የልቦን፡ ኣብ ውግእ ከም ምስንባት የልቦን፡ ረሲእነት ነቲ ገባሪኡ ኣየድሕኖን።
Translation | Contextኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።
Translation | Contextቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።
Translation | Contextንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡
Translation | Context