Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

2 bible verses about

ephod


ዘጸአት 28:1-43 | 5 Helpful votes

ንስኻ ከኣ ንሓውካ ኣሮንደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርንካህናት ኪኰኑኒካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦምንኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ። ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎምብልቦም ፈላጣት ዝዀኑ ዅሎም ንኣሮንካህነይ ንምዃን ኪቕደስኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም። እቲ ዚገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ ኣዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኤፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን፡ እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶምንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይግበሩሎም። ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎንምግጣሙ ብኽልተ ወሰኑ ኽልተ እተጋጠመ ኽፍሊ መንኩብ ይሀልዎ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚኸውን ብብልሓት እተገበረ ዚዕጠቑሉ ቕናት ከኣ ምስኡ ብሓደ እተጋጠመ፡ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ፡ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ይኹን። ክልተ እምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉሽድሽተ ኻብ ስሞም ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቶም ዝተረፉ ሹድሽተ ስም ድማ ከከም ምላዶም ጌርካ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ ቕረጽ። ቀራጽ እምኒ ማሕተም ከም ዚቐርጽ፡ ከምኡ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጽዚሕዞ ኸኣ ትትዖ ወርቂ ኣዙረሉ። ነቲ ኽልተ ኣእማን ድማ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ መናኹብ ኤፎድ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ መንኵቡ ስሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ይጹሮትትዖ ወርቂ ድማ ግበር። ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ከም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ኽልተ ሰንሰለት ግበር፡ ነቲ እተጠውየ ሰንሰለት ምስቲ ትትዖ ግበሮብብልሓት እተገበረ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸኣ ግበር። ከም ስራሕ ኤፎድ፥ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበሮኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ድርብ ድማ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ይኹን። ዚዛነቕ ኣእማንኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣጥብቐሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕሳርድዮንቶጳዝዮንስመራግዶስ፡ ኣብ ካልኣይ መስርዕ ከኣ፡ ሰመንጉኒሰፊሮስኣልማዝ። ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ድማ፡ ህያክንቶስኣካትኣሜቲስጦስ። ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከኣ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ብትትዖ ወርቂ ተከቢቡ ይጥበቕ። እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ክልተከምቲ ስሞም ይኹን። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ይኹን። ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ብምጥዋይ እተገበረ ሰንሰለታት ግበር። ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበር፡ እቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበርንኽልቲኡ እተጠውየ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ግበሮንኽልቱኡ ኻልእ ኣምፊ እተጠውየ ሰንሰለት ከኣ ምስ ክልቲኡ ትትዖ ኣተሓሒዝካ ኣብቲ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮክልተ ቐለቤት ድማ ካብ ወርቂ ግበር እሞ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ናብ ሸንኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ግበርክልተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ስራሕ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚጋጠመሉኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገበረ ቕናት ኤፎድ ግበሮ። እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኻብ ኤፎድ ከይፍለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ነቲ ቐላብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ምስቲ ቐላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰርኣሮን ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ኵለንትናኡ ኻብ ሰማያዊ ግበሮ። ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዜሕልፍ ኣፍ ይሀልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸምቲ ድርዒ እተኣልመ መኽፈፊ ይሀልዎ። ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈሩ ኸኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሮማን ግበረሉኣብ መንጎኤን ድማ ኣብ ዙርያኡቃጽል ወርቂ ግበረሉ። እሞ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ኣብ ዙርያኡ ቃጽል ወርቅን ሮማንንቃጽል ወርቅን ሮማንን ይኹን። ኣሮን ኣብ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪኣቱ ኸሎን ኪወጽእ ከሎን ምእንቲ ኸይመውትኪስማዕሲ ኬገልግል ከሎ ይከደኖ። ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ብሊቃ ግበር፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ቅረጽሉብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣጥብቆ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸኣ ብሸነኽ ቅድሚት ይኹን። ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ድማ እቲ ደቂ እስራኤል ዜቕርብዎ ዅሉ ቅዱስ ህያብ ናይቲ ቅዱስ ህያቦም በደል ይጹር። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ኪዀነሎምሲ፡ ወርትግ ኣብ ግምባሩ ይኹን። ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ ታሕቲ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እለም። መጠምጠምያ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበርእተጠልፈ ቕናትውን ግበርንደቂ ኣሮን ድማ ቀመውሽ ግበረሎምቅናውቲውን ግብረሎምንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ግበረሎም። እዚ ንኣሮን ሓውካን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ክደኖምቅብኣዮም ድማ፡ ኣእዳዎምውን ምልኣሎምካህናት ኪዀኑኒ ኸኣ ቀድሶምንሕፍረቶም ዚኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበረሎም፡ ካብ ሕቝኦም ክሳዕ ብርኮም ዚበጽሕ ይኹን። ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ከይሞቱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ኣብ መቕደስ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ይዕጠቕዎ። እዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

Translation | Context
ዘጸአት 39:1-43 | 4 Helpful votes

ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባስ ገበሩሉ። ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ፡ ምስ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብናይ ፈላጥ ብልሓት ኪእለም፡ ከም ፈትሊ ገይሮም ቀደድዎ። ንሓድሕዱ እተላገበ መናኩብ ገበሩሉንሓድሕዱ ብኽልቲኡ ወሰኑ ተላገበ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኤፎድ ዝነበረ እሞ ዝዕጠቕ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ድማ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ምስኡ ብሓደ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተገብረ። ኣዕናቝ እምኒ ብትትዖ ወርቂ እተኸበከም ኣቓራርጻ ማሕተም ስም ደቂ እስራኤል እተቐርጾ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ኪኸውን፡ ኣብ መንኵብ ኤፎድ ገበሮ። ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረከምቲ ስራሕ ኤፎድ ገይሩ ኻብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድርብ ገበርዎምንዋሑ ስድሪወርዱ ኸኣ ስድሪድርብ ነበረ። ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ከኣ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕሳርድዮንን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን። ኣብ ካልኣይ መስርዕ ድማ፥ ሰመንጉንን ሰፊሮስን ኣልማዝን። ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ከኣ፥ ህያክቶስን ኣካትን ኣሜቲስጦስን። ኣብ ራብዓይ መስርዕ ድማ፥ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ኣብቲ መዛነቒኡ ብትትዖ ወርቂ ተኸቢቡ ነበረ። እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት ደቂ እስራኤልከምቲ ስሞም ዓሰርተው ክልተ ነበረ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ተቐርጸ። ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ሰንሰላታት ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ኣገባብራ ገመድ ብምጥዋይ ገበሩክልተ ትትዖ ወርቅን ክልተ ቐለቤት ወርቅን ገበሩ እሞ ነቲ ኽልተ ቀለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ። ነቲ ኽልተ ትትዖ ወርቂ ድማ ኣብቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ወሳስን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎኽልተ ኻልእ ኣምፊ ናይቲ ኽልተ ትትዖ ድማ ኣብቲ ኽልተ መዛነቒ ኣጋጢሞም፡ ኣብቲ ኽልተ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ገበርዎክልተ ቐለቤት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ሸነኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ገበርዎ። ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገበሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ብታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ እቲ ዚጋጠመሉ ገበርዎ። እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፈስስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ነቲ ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ድማ ኵሉ ብሰማያዊ ኻብ እተኣልመ ዓለባ ገበሮ። እቲ ኣብ ማእከል እቲ ቐምሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሩ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ቐምቀሞ። ነቲ ቐምሽ ከኣ ኣብ ታሕታይ ዘፈሩ ኻብ ሰማያውን ሕብሪ ድምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሮማናት ገበሩሉቃጽላት ካብ ጽሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ፡ ነቲ ቓጽላት ኣብ መንጎ እቲ ሮማናት፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ዙርያኡ ኣብ መንጎ ሮማናት ገበርዎ። ምእንቲ ኼገልግሉሉ፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ብዙርያኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ብማእለማ እተኣለመ ቐመውሽ ታሕትን፡ መጠምጠምያ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕጌጸኛ ቀበውዕ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕስሬታትውን ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ እቲ ኻብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ብምጥላፍ እተዐየ ቕናት ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ወርቂ ብሊቃ ገበሩሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ገይሮም፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ጽሕፈት ጸሐፉሉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዝዞ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ኺእሰር፡ ኣብኡ ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩሉ። ከምኡ ዅሉ ዕዮ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ተወድኤደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፡ ከምኡ ገበሩ። ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳንን ኵሉ ኣቓሑኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ናብ ሙሴ ኣምጽእዎ። እቲ መደረብታ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውልን እቲ መደረብታ ቘራብቲ ተሃስን እቲ ዚጋረድ መጋረጃንታቦት ምስክርን መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን፡ እቲ ሰደቓ ምስ ኵሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን፡ እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ምስ ቅልዒ ቐነዲሉ፡ እቲ ዚዳሎ ቕልዒ ቐነዲልን ኵሉ ኣቓሑኡን ዘይቲ ንቐዋሚ ቐንዴልንመስውኢ ወርቅን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንንመሰውኢ ኣስራዚ፡ እቲ መጋረዲኡ ኣስራዚመሰላታቱን ኵሉ ኣቓሑኡን ገበራን ኣጋሮኡንመጋረጃታት ኣጸድኣዕኑዱን ኣእጋሩን መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድንኣግማዱን ሸኻውልቱን ኵሉ ኣቓሑ ንኣገልግሎት ማሕደር ንድንኳን ምርኻብ። እቲ ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኣልባስ ኣገልግሎትቅዱሳት ኣልባስ ኣሮንካህንን ናይ ደቁ ኣልባስ ክህነትንከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ንዅሉ ዕዮ ኸምኡ ገበርዎሙሴ ድማ ንዅሉ ዕዮ ረኣዮእንሆ ኸኣ ገይሮምዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞከምኡ ገበሩሙሴ ድማ መረቖም

Translation | Context