Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

enemies


ሉቃስ 6:27-36 | 9 Helpful votes

ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩመልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮንዝለመንካ ዘበለ ሃብገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎምሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ

Translation | Context
ሮሜ 12:14 | 6 Helpful votes

ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ

Translation | Context
መዝሙር 109:2-5 | 6 Helpful votes

ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይእፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶምብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ አለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል። አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ አሎኹ። አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ

Translation | Context
ምሳሌ 24:17 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጕሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲጸላኢኻ እንተ ወደቐኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።

Translation | Context
ዘዳግም 31:6 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑትብዑኣይትፍርሁብኣታቶም ኣይትሸበሩ።

Translation | Context
መዝሙር 57:6 | 4 Helpful votes

ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻውደለይነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። [ሴላ።]

Translation | Context
ሮሜ 12:20 | 4 Helpful votes

ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:43-48 | 4 Helpful votes

ብጻይካ ፍቶጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉንዚረግሙኹም መርቑውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩምተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑንነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩምኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።

Translation | Context
መዝሙር 35:1-28 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮምዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእኵናት ኣምበጥብጥመገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾንነፍሰይምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩንጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም። ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎምብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፧ ኪብላ እየን። ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦምዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒነፍሰይ ዘኽቲማ አላ። ኣነስ፣ እንተ ሐመሙከሊ ተኸደንኩንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ። እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይኣይፈለጥኩን ከኣ፣ ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን፣ ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ። ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ። ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም አለዉ። ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄርርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሓቕ። ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውንንመሰለይ ንቓሕንነገረይ ድማ ተንስእ። ዎ እግዚኣብሄርኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅኻ በይነለይ፣ ብአይ ድማ ኣይተሐጕሶምብልቦምኣሰይድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉወሐጥናዮኣይበሉ። ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ። እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱንኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።

Translation | Context
ሉቃስ 23:34 | 3 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ

Translation | Context
መዝሙር 138:7 | 2 Helpful votes

ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕየማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ

Translation | Context
መዝሙር 37:1-5 | 2 Helpful votes

ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእብእግዚኣብሄር ተማዕቈብሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥእምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:7 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።

Translation | Context
ምሳሌ 25:21 | 2 Helpful votes

ጸላኢኻ እንተ ጠመየእንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውንማይ ኣስትዮ

Translation | Context
መዝሙር 71:10 | 2 Helpful votes

ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩኣምላኽ ሐዲግዎመናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።

Translation | Context
መዝሙር 40:13-15 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርንምንጋፈይ ስመርጐይታየንምርዳኤይ ቀልጥፍንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈሩን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። እቶም፣ ኣሰይ ኣሰይዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ

Translation | Context