Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡
Translation | Contextተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።
Translation | Contextፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ።
Translation | Contextምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።
Translation | Contextብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextእንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።
Translation | Contextብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም።
Translation | Contextቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧
Translation | Context