Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።
Translation | Contextስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን።
Translation | Contextስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።
Translation | Contextመዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።
Translation | Contextንደቀ መዛሙርቱ በሎም፥ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ። ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ። ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፥ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ፡ ዚብሎ መን አሎ፧ ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፥ ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ። ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ። ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎምከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፥ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ። ንሱ ርእይዎም፥ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ። ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረአየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ። እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። የሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ፈሪሳውያን፥ መንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፥ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ከመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቲ ኪኸውን እዩ እሞ፥ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ አሎ፡ ኪብልኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዓብዎምን። ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዓቕ ብግዲ እዩ። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ። ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፥ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ። ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ። በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ። ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም።
Translation | Contextእዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextእቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።
Translation | Contextውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።
Translation | Contextህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።
Translation | Contextበቲ ዘመንቲ ሚካኤል፣ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብካ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፣ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘምን ጸበባ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፣ ኪድሕን እዩ። ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፣ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም። እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፣ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ እዮም። ንስኻ ግና፣ ኣታ ዳንኤል፣ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላይት እዚኤን ዕጸወን፣ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማ። ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፣ ምስትውዓል ድማ እናወስኸ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ዳንኤል ከኣ ጠመትኩ፣ እንሆውን፣ ክልተ ኻልኦት፣ እቲ ሓደ ኣብ ክነጀው ገምገም ርባ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ። ሓዲኦም ከኣ ነቲ ኻብ ልሕጺ እንታጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ፡ እዚ ዜስተንክር ነገር እዝስ መወዳእታኡ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ኢሉ ጠየቖ። እቲ ኻብ ልሕጺ እንታጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዕለ እሞ፡ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፡ ነቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፡ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ፡ ኢሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕልዎ። ኣነ ድማ ሰማዕኩ፡ ግናኸ ኣየስተውዐልኩን እሞ፡ ጐይታየ፡ መወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ፧ በልኩ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ዳንኤለየ፡ እዚ ቓላት እዚ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ፡ ኪድ ደኣ። ብዙሓት ኪጸርዩ፣ ኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም፣ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር፣ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ። ካብቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቘመሉን ዘመን ጀሚሩ፡ ሽህን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ። እቲ ዚጽበን፡ ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዚበጽሕን ብጹእ እዩ። ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ። ክትዐርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ።
Translation | Contextእቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።
Translation | Contextደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ።
Translation | Contextድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
Translation | Contextቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ። ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ። ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲህ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ። ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።
Translation | Contextእንሆ፡ ብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን።
Translation | Contextካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ አሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪትርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፥ እስኪ ንገረና፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ፡ ትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረ፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ብዙሓት፥ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ። ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሃበኩም ደኣ ተዛረቡ። ሓው ንሓው፡ ወላዲ ነሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም። ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን። ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ አሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ። ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም። በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ። ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ኪኸውን ከሎ እንተ ርኤኹም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ ኣብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን። እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን። ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፥ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሃቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ። እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዅሉ እብሎ አሎኹ፥ ንቕሑ።
Translation | Contextንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።
Translation | Context