Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

elisha


2ይ ነገስት 8:11-15 | 6 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ክሳዕ ዚሐንኽ ተኲሩ ጠመቶበኸየ ኸኣ። ሓዛኤል ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩዕርድታቶም ብሓዊ ኽትትኲስነጒባዞም ከኣ ብሴፍ ክትቀትልንሕጻናቶም ድማ ክትጭፍልቕንጥኑሳቶምውን ኣኽብደን ክትቀድድ ኢኻ፡ በሎሓዛኤል ከኣ፡ እዚ ዓብዪ ነገር እዚ ዝገብርሲ፡ ኣነ ባርያኻ፡ ሓደ ኸልቢ፡ እንታይ እየ፧ በለኤልሳእ ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ፡ በለ። ካብ ኤልሳእ ከኣ ከደ፡ ናብ ጐይታኡ ድማ መጸ። ንሱ ኸኣ፡ ኤልሳእ እንታይ ኢሉካበሎ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ክትሐዊ ኢኻ፡ በለኒኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ማቕ ወሲዱኣብ ማይ ኣሊኹኣብ ገጹ ገበረሉሞተ ኸኣ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ሓዛኤል ነገሰ

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:1-15 | 5 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ኬዕርጎ ምስ ደለየ፡ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ ካብ ጊልጋል ከደኤልያስ ከኣ ንኤልሳእእግዚኣብሄር ክሳዕ ቤት-ኤል ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕበሎኤልሳእ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ወረዱ። እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦምእግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ፈሊጥካ አሎኻ፧ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ አሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለኤልያስ ከኣ፡ ኣታ ኤልሳእእግዚኣብሄር ናብ ያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕበሎ። ንሱ ድማ፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ያሪኮ ኸኣ መጹ። ኣቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ድማ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦምእግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ አሎኻ፡ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ አሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለኤልያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕበሎ። ንሱ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለክልቲኦም ከኣ ኸዱ። ኣብ ደቂ ነብያት ድማ ሓምሳ ሰብ ከይዶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ መንጽሮም ደው በሉ፡ እቶም ክልተ ኸኣ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ። ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምንበሎኤልሳእ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ዜሸግር ነገር ለመንካካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ፡ በለኰነ ኸኣእናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮምኤልያስ ድማ ብሆቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩኣቦይኣቦይሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረመሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ሒዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ። ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐኣልዒሉ ኸኣ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ አሎ፧ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለኤልሳእ ከኣ ተሳገረ። እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ንብያት ምስ ረአይዎ ድማ፡ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሓዲሩ አሎ፡ በሉኪቃባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ

Translation | Context
2ይ ነገስት 13:14-20 | 4 Helpful votes

ኤልሳእ ከኣ እታ ዝሞተላ ሓማም ሐመመዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ፡ ኣቦየኣቦየ፡ ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱንኢሊ በኸየኤልሳእ ከኣ፡ ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድበሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታት ወሰደ። ነቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ቐስቲ ስቐልበሎኢዱ ድማ ሰቐለኤልሳእ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ እቲ ንጉስ ገበረ። ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምብራቕ መስኰት ክፈቶበሎከፈቶ ድማ። ኤልሳእ ከኣ፡ ወርውርበሎ። ንሱ ድማ ወርወረኤልሳእ ከኣ፡ ናይ ምድሓን ፍላጻ እግዚኣብሄርፍላጻ ምድሓን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ኣብ ኣፌቅ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በለፍላጻታት ውሰድ፡ ድማ በሎወሰዶ ኸኣ። ንንጉስ እስራኤል ድማ፡ ንምድሪ ውቕዓያበሎሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ። ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ፡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ፡ ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምሰዐርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በሎኤልሳእ ድማ ሞተቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዚወድቁ ኻብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:19 | 4 Helpful votes

ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 4:27 | 3 Helpful votes

ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮምንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:19-22 | 3 Helpful votes

ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ወዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ ጨው ድማ ግበሩሉበለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ። ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን። እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ አሎ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:14 | 3 Helpful votes

ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ አሎ፧ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለኤልሳእ ከኣ ተሳገረ

Translation | Context
2ይ ነገስት 8:1-3 | 3 Helpful votes

ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲእግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር፡ ድሮ እኳ ጀሚሩ ዘሎ፡ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጽእ ጸዊዑ እዩ እሞ፡ ንስኽን ቤትክን ናብ እትስደድዎ ተሰደዱኢሉ ትዛረባእታ ሰበይቲ ኸኣ ተንሲኣ ኸም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ገበረት፡ ንሳን ቤታን ድማ ከይዶም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሾብዓተ ዓመት ተቐመጡ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሾብዓተ ዓመት እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፡ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:19 | 2 Helpful votes

ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ

Translation | Context
2ይ ነገስት 8:7-10 | 2 Helpful votes

ኤልሳእ ድማ ናብ ደማስቆ መጸቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ሐሚሙ ነበረ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብዚ መጺኡ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎሽዑ እቲ ንጉስ ንሓዛኤል በሎገጽ በረኸት ኣብ ኢድ ሒዝካ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትቃባበሎ ኺድ እሞ፡ ካብዚ ሕማም እዚ ደኾን ክሐዊ እዩ፧ ኢልካ ብእኡ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ሕተቶ በሎሓዛኤል ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ ገጽ በረኸት ናይ ደማስቆ በብሉጹ ዘበለ ኣርብዓ ጽዕነት ገመል ዚአክል ሒዙ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ ወድኻ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ካብዚ ሕማም እዚዶ ኽሐዊ እየ፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒበለኤልሳእ ከኣ በሎኪድ እሞ፡ ምሕዋይሲ ኽትሐዊ ኢኻ፡ በሎ። ግናኸ ብርግጽ ከም ዚመውትእግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:16 | 2 Helpful votes

ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤል-ሜሆላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ

Translation | Context