Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብሆቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ።
Translation | Contextኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን።
Translation | Contextንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ።
Translation | Contextሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቲስቢታዊ ንአከአብ፡ በዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ በሎ። ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ አሎኹ፡ ኢሉ መጾ። ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ። እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ ድሕሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ።
Translation | Contextንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።
Translation | Contextኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሐሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሀብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፡ ኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓል፡ ምላሽ ሀበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ይሐስብ ከይህሉ፡ ወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውን፡ ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉ፡ ምእንቲ ኺበራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ፡ ኢሉ ኣላገጸሎም። ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳዕ ዚፈስስ፡ ንኣካላቶም በስፍያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ። ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሐለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዚስውኣላ ጊዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን፡ ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን።
Translation | Contextኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረ። እንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ። ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡ፡ ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም፡ ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡ ኣብኣ ምስ መጻእካ ድማ፡ ንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ። ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤል-ሜሆላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ኪቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማ፡ ኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ። ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን ዘይሰዐሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ። ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ። ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉ፡ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ደድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየ፡ ኪድ ተመለስ፡ በሎ። ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣ፡ ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉ፡ ነቶም ህዝቢ ሀቦም፡ በልዑውን። ተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ።
Translation | Contextኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም። መሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ፡ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ አሎ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።
Translation | Contextኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ።
Translation | Contextንሳቶም ድማ፡ ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቊ እተዐጥቀ ሰብአይ እዩ፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ንሱ ኤልያስ ቲስቢታዊ እዩ፡ በለ።
Translation | Contextግናኸ ካብ ነብዪ ኤልያስ ከምዚ እትብል ጽሕፈት መጸቶ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብለካ አሎ፡ ብመገዲ ኣቦኻ ዮሳፋጥን ብመገዲ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ስለ ዘይከድካ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ግና ስለ እተመላለስካ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ስለ ዘመንዘርካዮም፡ ነቶም ናይ ቤት ኣቦኻ ኻባኻ ዚሔሹ ዝነበሩ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንብዘሎ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕዘፍቲ ኪቐዝፎም እዩ። ንስኻ ድማ ኣምዑትካ ብምኽንያት ሕማም በብጊዜኡ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብ ኣምዑትካ ብርቱዕ ሕማም ክትሐምም ኢኻ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይ ተጽሒፉ አሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዓቕን እዩ።
Translation | Contextክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ።
Translation | Contextእንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚቕረበላ ጊዜ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ንስካ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፡ ነዚ ዂሉ ድማ ብትእዛዛካ ከም ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ኣፍልጥ። እዞም ህዝቢ እዚኣኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ፡ ምላሽ ሀበኒ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምላሽ ሀበኒ፡ በለ። ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፡ ነቲ ኣብ ጒድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ኬዕርጎ ምስ ደለየ፡ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ ካብ ጊልጋል ከደ። ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ቤት-ኤል ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ኤልሳእ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ወረዱ። እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ፈሊጥካ አሎኻ፧ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ አሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ። ኤልያስ ከኣ፡ ኣታ ኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ናብ ያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ያሪኮ ኸኣ መጹ። ኣቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ድማ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ አሎኻ፡ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ አሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ። ኤልያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ክልቲኦም ከኣ ኸዱ። ኣብ ደቂ ነብያት ድማ ሓምሳ ሰብ ከይዶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ መንጽሮም ደው በሉ፡ እቶም ክልተ ኸኣ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ። ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ፡ ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ዜሸግር ነገር ለመንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ፡ በለ። ኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብሆቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩ፡ ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረ። መሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ሒዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ። ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ኣልዒሉ ኸኣ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ አሎ፧ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለ፡ ኤልሳእ ከኣ ተሳገረ። እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ንብያት ምስ ረአይዎ ድማ፡ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሓዲሩ አሎ፡ በሉ። ኪቃባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ። ንሳቶም ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ገላዉኻ ሓምሳ ሓያላት ሰባት አለዉ እሞ፡ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ ኸረን ወይ ኣብ ሓደ ሽንጭሮ ደርብይዎ ኸይከውንሲ፡ በጃኻ፡ ከይዶም ይድለይዎ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣትስደዱ፡ በለ። ክሳዕ ዚሐፍር ግዲ ምስ በልዎ ኸኣ፡ ንሱ። ስደዱ፡ በሎም። ሓምሳ ሰብ ከኣ ሰደዱ፡ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን። ንሱ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ድማ፡ ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን፡ በሎም። ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ወዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ ጨው ድማ ግበሩሉ፡ በለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ። ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን። እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ አሎ። ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበ። ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕ። ደይብ፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኢሎም ኣላገጹሉ። ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮም፡ ብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ። ካብኡ ኸኣ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ከደ፡ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
Translation | Contextብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ። ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።
Translation | Contextኤልያስ ከኣ ንአከኣብ፡ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም አሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን፡ በሎ። ሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ፡ በሎ። ደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለሰ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባህሪ ትለዐል አላ፡ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ደዪብካ ንኣከኣብ፡ ዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ በደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ።
Translation | Context