Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።
Translation | Contextኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።
Translation | Contextእቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣቱም ብጐይታ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብናይ መንፈስ ቅድስናን ብእምነት ሓቅን ንምድሓን ስለ ዝሐረየኩም፡ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ክነመስግኖ ግቡእና እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን።
Translation | Contextኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን አመኑ።
Translation | Contextእቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
Translation | Contextከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡
Translation | Contextእተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን።
Translation | Contextስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዚደልን ዚጐይን ኣይኰነን።
Translation | Contextኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።
Translation | Contextጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።
Translation | Contextኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ከኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።
Translation | Context